ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሓቀይና ዕብየት ንዝደኸሙ ኣብ ምሕብሓብ እዩ ዝርከብ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ሓቀይና ሓይልን ዕብየትን በትረ ስልጣን እቶም ዝሓየሉ ዘይኮነስ ኣብ ምሕብሓብ ንድኹማት ከም ዝነብር ዝገለጾ ቃላት ዕለት 22 ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰንበት ዕለት 22 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔ ምሪሖም ቅድሚ ምድጋሞ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 9፡ 30 – 37 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ከም ዝሳቐን ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎን ከም ዝቕተልን ደሓር ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝትንስእን ከበስሮም እንከሎ ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ማለት ምዃኑ ስለ ዘይተረድእዎ ነንሓድሕዶ መን ካብ መንጎኦም “መን ይዓቢ” ዝብል ድላይ ዝዓበየ ምዃኑ የገድሶም፥

ዕብየት ኣብ ኣገልግሎት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ኣብ መንጎኦም ብዛዕባ እንታይ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክሓቶም እንከሎ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዝውሓጦም ስቕታ እንከረድኡ፥ እዚ ስቕታ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ካብኦም መን ይዓቢ እናበሉ ኣብ መንጎኦም ካብ ዘበገስዎ ክትዕ ዝነቐለ ሕፍረት ዝመጸ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ቃል ጐይታ ንኸይሰምዑን ንኸይርድኡን ልቦም ዝዓጸወ ትዕቢት ዘንጸባርቕ እዩ። ጐይታ ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ብውህበትን ኣገልግሎትን ብትሕትናን እተዋህበ ትርጉም ህይወቱ ባዕሉ ክዛረብ ከሎ ምስ ስክፍታታቶም ዝጻረር እዩ ዝነበረ።

“ግናኸ ኢየሱስ ነቲ ኣብ መገዲ ሕሹኽ ዝብሃል ዝነበረ ዝርርባት ብግልጺ ይምልሰሉ:- “ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ: ካብ ኵሉ ዳሕረዋይን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን።” ብሉጽ ክትከውን ትደሊ ዲኻ? ንርእስኻ ንእሽቶ ግበሮ፣ ንርእስኻ ኣብ ኣገልግሎት ኩሉ ኣእትዋ።”

ስልጣን ማለት ሓልዮት ማለት እዩ

ምስ በሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከመይ ገይሩ ኣነባብራናን መነባብሮናን ከም ዝሕድሶን ሓቀይና ዕብየትን ሓይልን ኣብ ምዕብላል ዘይኮነስ “ንዝደኸመ ኣብ ምሕብሓብ” ምዃኑ ይምህረና። ነዚ እዩ ድማ ንሓደ ቆልዓ ኣብ ማእከሎም ደው ክብል ጸዊዑ፥ “ንሓደ ቆልዓ ብስመይ ዝቕበል ንዓይ ይቕበል” ከም ዝበለ ጠቒሶም፥ ከመይ ጌሩ እቲ ህጻን ሓይሊ ዘይብሉ፡ ኣብ ካልኦት ከም ዝምርኮስ፥ ልክዕ ከምቲ ሰባት ንኽነብሩ ድሌታቶም ንምምላእ ሓገዝ የድልዮም” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥

ቃላት ጐይታ ምዝካር

ኩላትና ብሰንኪ እቲ ዝረኸብናዮ ሓልዮትን ፍቕርን ብህይወት ኣለና፥ ምዕብላልን ዘይምግልጋልን ምድላይ ግድን መከራ ከም ዘስዕብን፡ እዚ ሰብኣዊ ጽምኢ ንስልጣን ሓቂ ንኽንርስዕ ይድርኸና፡ ቀዳሞት ኮይኑ ዝስምዖም ድማ “እቶም ንኣሽቱ፡ ድኹማት፡ ድኻታት” ኮይኑ ዝስምዖም እያቶም፥

“ክንደይ ሰብ ብናይ ስልጣን ቃልስን ምፍሕፋሕን ይሳቐን ይመውትን! ነቶም ዓለም ከምቲ ንኢየሱስ ዝኸሓደቶ፡ ዓለም እትኽሕዶ ሕይወት እዩ. . . . እንተኾነ ግና፡ ወንጌል ህያውን ብተስፋ መሊኡን ይቕጽል ኣሎ፡ እቲ ዝተኸሓደ ተንሲኡ፡ ንሱ ድማ ጐይታ እዩ!”

ቢሎም ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ኣብቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ትሑታትን ዝነኣሱን ብኸመይ ከም እንርእዮ ንፈልጥ እንተ ዄንና ንርእስና ንሕተት እንክብሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም፥ ንጐረባብትና ንከናኸኖም ዲና ነቶም ዝሓገዙናኸ ነመስግኖም ዲና? ነፍሲ ወከፍና ገዛእ ርእሱ ይሕተት ቢሎም፥

“ከም ማርያም ካብ ከንቱ ትዕቢት ነጻ ኮይንና ንኣገልግሎት ድማ ድሉዋት ክንከውን፡ ብሓባር ናብኣ ንጸሊ።”

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2024, 16:38