ድለ

2024.09.21 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሆንዱራስ ኣብ ልዕሊ ተሓላቒ ፍጥረት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝፈጠረሎም ሓዘን ይገልጹ 2024.09.21 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሆንዱራስ ኣብ ልዕሊ ተሓላቒ ፍጥረት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝፈጠረሎም ሓዘን ይገልጹ  (© Remam)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሆንዱራስ ኣብ ልዕሊ ተሓላቒ ፍጥረት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝፈጠረሎም ሓዘን ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቕትለት ኹዋን ኣንቶንዮ ሎፔዝ፥ “መስራቲ ኣባል ናይቲ ኣብ ሆንዱራስ ዝርከብ ዘይነጻጸል ምሉእ ኵለንተናዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስነ-ህይወት” ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ ኣብ ጎድኒ እቶም ንኣውያት ድኻታትን ምድርን ምላሽ ዝህቡ ከም ዝኾኑን ብምግላጽ ቅርበቶም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 22 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣክ እግዚኣብሔር ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ “ልኡኽ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ትሩሂሎ ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ጉስነት፡ ኣብ ሆንዱራስ መስራትን ኣባልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይንጽል ውሁድ ምሉእ ኵለንተናዊ ስነ - ህይወት ዝኾነ ኹዋን ኣንቶንዮ ሎፔዝ ከም ዝተቐትለ” ምስ ተሓበሮም ዝተሰምዖም ብርቱዕ ሓዘን ገሊጾም፡ ኣብ ሓዘን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሆንዱራስን ሰበኻ ትሪሂሎን እሓብር ቢሎም፡ ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ድማ ኣትሪሮም ከም ከም ዝኾነኑን፥

"ምስቶም መሰረታዊ መሰሎምን ክብሮምን ዝተነፍጎምን ንኣውያት ድኻታትን ምድርን ምላሽ ዝህቡን ንሓባራዊ ረብሓ ዝውፍዩን ደው እብል ኣብ ጎድኖም ድማ እየ”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኹዋን ኣንቶንዮ ሎፔዝ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሆንዱራስ ኣብ እትርከብ ከተማ ቶኮኣ ዝነብር መራሒ ማሕበረሰብ ኹዋን ኣንቶንዮ ሎፔዝ፡ ዕለት 14 መስከረም ካብ ቅዳሴ ክወጽእ እንከሎ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ብዝተኮስዎ ጥይት ከም እተቐትለ ክሕበር እንከሎ፡ ሎፔዝ ኣባል ዞባዊ ሽማግለ ምክልኻል ሓባራውን ህዝባውን ጸጋታት ከተማ ቶኮኣ ከም ዝነበረን፣ እዚ ስራሕ እዚ ብተደጋጋሚ ምስ ንግዳዊ ረብሓታትን ኣብ ክፍሊ ኮሎን ዝነበሩ ከባብያውን ሃገራውን ፖለቲከይናታትን ኣብ ምስሕሓብን ምግርጫውን ዘእቱ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ንሱ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ሌንካ ንመስተ፡ ምግፋፍ ዓሳን ሕርሻዊ ድሌታትን ንኸማልእ ዝጥቀመሉ ማይ ሩባ ጓፒኖልን ሳን ፔድሮን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢንዱስትራውን፡ ንዕደና ሓጺን ዝግበር ዕዮታት ደው ክብል ንዓመታት ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ካብቶም ተሓላቕቲ ህዝብን ተፈጥሮን ጸጋታትን መራሕቲ ክኸውን ከም ዝገበሮ ይንገር።

ቁጥዐ ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዞባ

ኣብ መላእ ሆንዱራስ ዝርከቡ መራሕቲ ካቶሊክ ብቕትለቱ ሓዘንን ቁጥዐን ከም ዝገለጹን ናይ ሰበኻ ትሩሂሎ ጳጳስ ኸንርይ ሩይዝ ድሕሪ መቕተልቲ ሎፐዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ንዓኻ እቲ ማሕበራዊ፡ ስነ-ምህዳራውን ፖለቲካውን ተወፋይነት ስነ - ሓሳባዊ ሕቶ ዘይኮነስ ሕቶ ናይ ክርስቶስን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምዃኑ ትነግረኒ ነርካ” እንክብሉ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ናይ ሰበኻ ትሩሂሎም መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እቶም ኣቡን ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ ምህዳር (ተፈጥሮን ፍጥረትን) ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓልዮትን ሓቅን ዝብል ትምህርትን ጻውዒቶምን ብምስዓብን ብምትግባርን ነቶም ነቐፍቱ ብሕይወቱ ዝምልስ ከም ዝነበረን፡ ጳጳስ ሩይዝ እውን ሎፔዝ ብዛዕባ እቲ ከጓንፎ ዝነበረ ሓደጋታት ዝፈልጥ ከም ዝነበረን “ስርዓት ምውጻእን ዕደናን ጸጋታት፡ ምስ ብልሽውና ናይ ሓሶት ፖለቲከይናታትን ምውፋር ኣብ ንግድ ዕጸ ፋርስን - መንግስታትን፡ ንመላእ ዓለም ዝቐትልን ዘጥፍእን ስርዓት ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ከምዚ ዓይነት ቀታሊ ተግባራት ንኸይህሉ ድማ ህዝብን ማሕበርሰብን ኣብ ምንቕቓሕ ዝተጸምደ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

23 September 2024, 16:43