ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ንሰላም ይጽልዩን መሰል እሱራት ክኽበር ድማ ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ንሰላም ይጽልዩን መሰል እሱራት ክኽበር ድማ ጻውዒት የቕርቡ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ንሰላም ይጽልዩን መሰል እሱራት ክኽበር ድማ ጻውዒት የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 22 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቶም ኣብ ኲናት ዝርከባ ሃገራት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰላምን መሰላት እሱራት ኣባይቲ ማሕቡስ ክኽበር ንዝዓዩን ቀጻሊ ጸሎት ክግበር ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዅሎም ሰናይ ድሌት ንዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ዘቕርብዎ ዘይሕለል ጻውዒት ድጊሞም ብምቕራብ፥

“እቲ ዘሕዝን ኣብ ግንባራት ኲናት ወጥሪ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣሕዋትን ኣሓትን ምእምቲ ሰላም ጸሎትና ንቐጽል”

ከም ዝበሉን ከምኡ’ውን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ኣብ “ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሚያንማርን ካልኦት ኣብ ውግእ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራትን” ዝወረድ ዘሎ መከራ ከይርስዑ ብምዝኽኻር፡  “ሰላም ዝልምኑ ድምጽታት ህዝብታት ይስማዕ”

ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እሱራት

ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኩነታት እሱራት ኣባይቲ ማሕቡስ ንቕሓት ንምዕባይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተሳተፉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንክብርን መሰልን እሱራት ደገፎም ከም ኣረጋጊጾም፥ "ኩሉ ሰብ ክጋገ ስለ ዝኽእል፡ እሱራት ብኽብሪ ክርአዩ መታን ክንሰርሕ ኣለና: ቤት ማሕቡስ እሱራት ቅንዕና ዝመልኦ ህይወት ዳግማይ ንምጅማር ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፥

“እሱራት ብኽብሪ ክረኣዩ ክንሰርሕ ኣለና”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2024, 16:48