ር. ሊ. ጳ.፦ ንጐይታ ብሓቂ ምስ ፈለጥካዮ ኵሉ ነገር ይቕየር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምስትንትና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ንጐይታ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስተምሃሩ፣ ከምኡ ውን ንጐይታ ምስዓብን ብሓቂ ምእንቲ ክንልወጥ ብወንጌሉ ክንትንከፍ ምፍቃድን እውን ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ "ንዓይ መን እዩ ትብሉኒ?" ክብል ንዝሓተቶም ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እንከስተንትኑ፣ ጴጥሮስ ንጐይታ "ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ" ኢሉ ብኸመይ ከም ዝመለሰሉ ዘከሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተንተንተንዎ ብሓቂ ምሉእ መልሲ ኢዩ ዘቕተበሉ፣ እንተ ኾነ ግን ድሕሪ እተወሰነ ህሞት ግና ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ክሳቐ ከም ዘለዎን መከራን ሞትን ከም ዝቕበል ምስ ነገሮም ጴጥሮስ ተቓወሞ፣ ጐይታ ኸኣ "ኣንታ ሰይጣን ናይ ሰብ እምበት ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ ኪድ ካባይ ረሓቕ!" በሎ ። ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ብትኽክል እኳ እንተ መለሰ ኣተሓሳስባኡ ግን ገና "ሰብኣዊ" ምንባሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልከቱ፣ ከመይሲ ክሳቐን ክመውትን ዘይክእልን ሓያልን ዕዉትን መሲሕ ኢዩ ዝደሊ ዝነበረ።

ንኢየሱስ ብሓቂ ምፍላጥ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ብዛዕባ ጐይታ ገለ ነገር ክንርዳእን ቅኑዕ ምላሽ ክንህብን ንኽእል ኢና እንተዀነ ግን ኣተሓሳስባና ዓለማዊ እንተዀነ ግን ንመገድታት ኣምላኽ ክፉት ንኽንከውንን ንኽንስዕቦን ክንሳሕን ክልወጥን የድልየና ኢዩ። ስለዚ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ክንፈልጥ ጸሎትና ብልክዕ ከነብጽሕ ከምኡውን ንትምህርተ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ከነጽንዖ ኣሎና፣ እንተዀነ ግን ብዛዕባኡ ገለ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ ንጐይታ ባዕሉ ክንፈልጦ ብዝሓሸ መገዲ ኽንፈልጦ ኸም ዘሎና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ። እዚ ኸኣ ንጐይታ ምስዓብ ከምኡውን ልብናን ኣእምሮናን ብወንጌሉ ክትንከፍን ክቕየርን ምፍቃድ ማለት ምዃኑ ኣመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ንጐይታ ንምፍላጥ ምሳኡ ዘሎና ርክብን ምስ ጐይታ ግዜ ከነሕልፍን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ። እዚ ኸኣ ኣነባብራኻን ኣተሓሳስባኻን ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ርክብ ንኽነስተውዕለሉን ይቕረ ንኽትብል ዝሎና ድሉውነትን፣ ኣብ ህይወትና እትገብሮም ምርጫታት እዩ ዘመልክት ።

"ንኢየሱስ ብሓቂ እንተ ፈሊጥካዮ ኵሉ ነገር ኪቕየር እዩ! ንሱ ንኵሉ ነገር ኢዩ ዝቕይሮ" በሉ።

ኢየሱስ ንዓይ መን እዩ?

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ግዳይ ናይ ሥርዓት ናዚ ዝዀነ ዲትሪኽ ቦንሆፈር ዝተሰምየ ሉተራዊ ሊቅ ሥነ መለኮትን ጓሳ ማሕበርን ዝነበረ ንዝሃቦ ምስክርነት ዘከሩ ። ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ነዛ ንጐይታ ኺፈልጡን ኪስዕቡን ኣገዳሲት ዝዀነት መሰረታዊት ሕቶ እዚኣ ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይሓቱ ዘለዎ ጓሂኡ ገለጸ ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢየሱስ ኣብ ህይወትና መን ምዃኑ ንርእስና ኽንሓትት ከም ዘሎና ብቓል ጥራይ እንተ ስዒብናዮ ወይ ከኣ ምስቲ ንህይወትና ኪቕይሮ ዚኽእል ጐይታ ብብሕቲ ኽንራኸብ ንኽእል እንተ ደኣ ዄንና ኽንሓትት ከም ዘሎና ኣስፊሖም ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ኣብዚ ጕዕዞና እዚ ኽትሕግዘና ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

16 September 2024, 15:56