ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣምላኽ ናብቶም ዝተገለሉ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት ይቐርብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፖርት ሞረስቢ ዘዕረግዎ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ እቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት ምስ ኣምላኽን ምስ ብጾቶምን ከም ዝሓበሩ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ሰንበት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ፖርት ሞረስቢ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝርከቡ እሙናት መሥዋዕታ ቅዳሴ የዕሪጎም።

እዚ ድማ እቲ ናይ መጀመርታ መደቦም ኣብታ ርእሲ ኸተማ ፓፑዋ ነዊ ጊኒ ዘካየድዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ዝነበረ፣ ከም ኣቆጻጽራ ናይቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ኢዮም ጀሚሮም። ሰበ - ስልጣን ናይቲ ዓዲ ከም ዝገለጽዎ 35,000 ዝዀኑ ምእመናንን በጻሕትን እንተላይ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጄምስ ማራድ ኣብቲ ጉባኤ ተኻፊሎም ኢዮም ።

ርሕቀት ካብ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓደ ዓባስ ሰብኣይ ናይ ምዝራብ ጸገም ዝነበሮ ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ኣብ ክልተ መዳያት እቲ ዛንታ ኣተኲሮም ኢዮም ስብከቶም ዘካፈሉ፣ እዚ ኸኣ ኣብ "ቐረባነት" ኢየሱስን ኣብ "ርሕቐት" ናይቲ ዓባስ ሰብኣይን እዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዓባስ ሰብኣይ ኣብታ ኣረማውያን ካብ ሃይማኖታዊ ማእከል ዝኾነት የሩሳሌም ርሒቖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ደካፖሊስ እዩ መጺኡ ። "ካብ ዓለም ተፈልዩ ተገሊሉ ጽሙምን ዓባስን እሱር ኮይኑ ዝነብር ነበረ" ክብሉ ውን ኣስተምሃሩ።

ቅርበት ኢየሱስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ነዚ ዅላትና ኣብ እተወሰነ እዋን ዝስምዓና ርሕቐት ኣምላኽ ዚህቦ ምላሽ ቀረባና ምዃኑ ከም ዝኾነ ኣጉልሑ። ወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 'ንህይወቶም ምእንቲ ኺትንክያን ካብ ርሕቐት ምእንቲ ኼልግስን' ኢሉ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ከም እተጓዕዘን ምስቶም ኣብ ሕዳጋት እቲ ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት ከም እተራኸበን ይሕብረና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኢየሱስ ብምቕራቡ ዓባስን ጸማምን ሰብ ኣሕወየ።  እወ ዝረሓቕና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ ወይ ካብ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወይ ካብቶም ካባና እተፈልዩ ኽንርሕቕ ክንመርጽ ከለና ንርእስና ኻብ ወጻኢ ንዓጹ ።  ይኹን እምበር ጐይታና ኢየሱስ ናብቲ ዓባስ ሰብኣይ ቀሪቡ "ኤፍፋታ" ማለት "ኽፈት" (ማር  7፡ 34) በለና።

ርሑቕ ግን ከኣ ሕብረት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ኣስተንትኖኦም ካብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ንተቐማጦ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝኸውን ፍሉይ መልእኽቲ ከም እተመሓላልፈሎም ብምግላጽ ስብከቶም ዛዘሙ -
 "ኣቱም ኣሕዋትን ኣሓትን ... ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ስለ ዘለኹም ካብ ጐይታ እተፈለኹም ካብ ካልኦት እተፈለኹም ኰይኑ ይስምዓኩም ይኸውን፣ እዚ ግን ቅኑዕ ኣይኰነን - ሓድነት ኣሎኩም ብመንፈስ ቅዱስ ሓድነት ኣሎኩም፣ ብጐይታ ሓድነት ኣሎኩም፣ ጐይታ ድማ ንነፍሲ ወከፍኩም 'ተኽፈቱ!' ይብለኩም ኣሎ፣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እዚ እዩ፦ ንኣምላኽ ርእስና ኽንከፍተሉን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ርእስና ኽንከፍተሎምን ንወንጌል ክፉታት ክንከውንን ናይ ህይወትና ብሶላ ክንገብሮን ኣሎና።"በሉ።

09 September 2024, 08:57