ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቲሞር-ለስተ፦ ቈልዑ ንኣገዳስነት 'ትሕትና' የርእዩና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብቲ ኣስታት 600,000 ዝዀኑ ምእመናን ማለት ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ቲሞር-ለስተ ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ቦታ ምስንዳው ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ሰሉስ ዕለት 10 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቲሞር-ለስተ ዚርከብ ጐላጕል ታሲ ቶሉ ኣብ ቅርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ብመሰረት እቲ ካብ ሰበ - ስልጣን እታ ሃገር እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ኣብቲ ቦታ ኣስታት 600,000 ምእመናን ማለት ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ዝኾኑ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም።

ብባህላዊ ሸብሸቦ ቲሞር ብምምዕራግ ድማ መስዋዕተ ቅዳሴ ተጀመረ

ህጻን ተወሊዱልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ "ህጻን ተወሉዱልና ወዲ ተዋሂቡና" ብምባል እተዛረቦ ቃላት ብምስትንታን ስብከቶም ጀመሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዘን ቃላት እዚኣተን ናብ ተቐማጦ ኢየሩሳሌም እተላእካ እየን ዝነበራ፣ ኣብቲ እዋን እቲ "ነታ ኸተማ እቲኣ ኣብ እዋን ብጽግና" እያ ዝነበረት፣ ኰይኑ ግና "ዓብዪ ስነ ምግባራዊ ብልሹውና" እውን ነበራ። እታ ኸተማ ብዙሕ ሃብቲ እኳ እንተ ነበራ፣ እቶም ድኻታት ግን ተጠንጢኖምን ጠምዮምን ነበሩ፣ ጥልመት ኣስፋሕፊሑ ሃይማኖታዊ ልምዲ ድማ "ናብ ወግዓዊ ተግባር እናቐየረ ዝኸደሉ ዘመን ኢዩ ዝነበረ።"

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ነብዪ ኢሳይያስ ብኣምላኽ እተገልጸ "ሓድሽ ኣድማስ" ኪእውጅ መጸ። ይኹን እምበር ኣምላኽ "ብሓይሊ ሰራዊትን ኣጽዋርን ሃብትን" ዘይኰነስ "ብሓደ ህያብ ዝኾነ ህጻን" ከድሕኖም ደለየ።

ህጻናት ፦ በረኸትን ምልክትን ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም " ውሉድ ምርካብ "ዜሐጕስ እዋን ሓጐስን ጽምብልን" እዩ፣ እዚ ኸኣ "ጽቡቕ ባህጊ ... ናብ ንጽህናን ህጻንነትን ምምላስ" ኢዩ ዘመልክት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ኣብዚ ኣብ ቲሞር-ለስተ ብዙሓት ቈልዑ ምህላዎምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኮን ዘደንቕ ኢዩ!” በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም እዚ ዓብዪ ውህበት ምዃኑ ኣጕልሑ፣ እንተዀነ ግን "ንቘልዑን ህጻናትን ቦታ ምስንዳው ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባልን ምክንኻን" ዘለዎ ኣገዳስነት ዘዘኻኽር ምልክት ምዃኑ ውን ኣስፊሖም ገለጹ።

ንባዕልኻ 'ህጻን' ምዃን

ውሉድ ምውላድ ብዓንዲ ርእሱ ንገዛእ ርእስኻ 'ንእሽቶ' ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ከም ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

"ገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ንሓድሕድናን ከነንእስ ህይወትና ኸይንስእን ግዜና ከነወፍን፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ኺሓውዩን ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑን ኢልና፣ ገለ ነገር መስዋእቲ ብምግባር መደባትና ኽንእርም ኣይንፍራህ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ስብከቶም "ንውጥናትና ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንምንካይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእስናን ብምቕባልን ካልኦት ውን ዝያዳ ሠናይ ንምግባር ኣይንፍራህ " ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ ።

11 September 2024, 09:18