ድለ

2024.09.12 Viaggio Apostolico a Singapore - Santa Messa nello Stadio Nazionale 2024.09.12 Viaggio Apostolico a Singapore - Santa Messa nello Stadio Nazionale   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ፍቕሪ ማእከል ወንጌል እያ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራዊ ሜዳ ስፖርት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ፍቕሪ መሰረት ናይቲ ኵሉ እንገብሮ ሠናይ ነገራት ከም ምዃና ኣዘኻኸርዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ነታ ኸተማ "ኣዝያ ውሩይን መሳጢትን" ዝገብራ "ዓብይን ዘደንቕን ስነ-ህንጻታት" ሲንጋፖር መበገሲ ሓሳብ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝልገስዎ ስብከት እንክኸውን፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም "ፍልጠት ብትዕቢት ይመልእ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ" ብዝብል ሓሳባት ስከቶም ጀመሩ።

ፍቕሪ መሰረት ናይ ዓበይቲ ተግባራት እያ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም መሰረት ናይቲ ሰባት ዝፍጽምዎ ዓበይቲ ተግባራት ፍቕሪ ደኣ እምበር ብቐዳምነት "ገንዘብ ተክኒካዊ ስነ ሜላ ወይ ናይ ክእለት ምህንድስና" ከም ዘይኰነ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ገሊኣቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዕሽነት ብምባል ክሓልፍዎ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ዓበይቲ ግብርታት ብምህዞን ብልሓትን እተደረኸ እኳ እንተዀነ ብዝበለጸ ድማ ኣብቶም ብፍቕሪ ዝተነቓቕሑ ብዙሓት "ተነቀፍቲ ሰብኡትን ኣንስትን" ከም ዝምርኰስ ውን ዘርኢ ምዃኑ ገለጹ፣ ብዘይ ብእኡ ኸኣ "ብዘይ ፍቕሪ ድራኸ ስጕምቲ እትወስደሉ ምኽንያት የልቦን፣ ንምህናጽ ዝኸውን ሓይሊ ውን የለን" በሉ።

ኣምላኽ መሰረት ኣቕሚ ፍቕርና ኢዩ

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስነቶም እዚ እምነት እዚ በቲ ሓባራዊ ኣቦና ዝዀነ ኣምላኽ "ንኸነፍቅርን ንኽንፍቀርን ዘሎና ተኽእሎ ሱር" ምዃኑ ብእትምህረና እምነት 'ይረጋገጽን ይበርህን' ኢዩ።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ብነጻነትን ብፍቕርን እዩ ፈጢሩና፣ "ብሞትን ትንሳኤን እቲ ሓደ ወዱ" ድማ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እተውጽኣና እዛ ፍቕሪ ኣምላኽ እያ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ብፍቕርና ነጸብራቕ ፍቕሪ ኣምላኽ ንርኢ አሎና ።... ዓሌቶም እምነቶም ወይ ካባና እተፈልዩ ዚገብሮም ዝዀነ ይኹን ነገር ዘለዎም ይኹኑ ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዋ ፍቕሪ እያ፣" በሉ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ንኻልኦት ምክፋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ንዓና ኣገዳሲ ቃላት እዩ ፣ ከመይሲ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ግብሪ ዚስምዓና ዜደንቕ ነገራት ንላዕሊ፣ በብመዓልቱ ብዝዓበየ ኣድንቖትን ኣኽብሮትን ክንቅበሎም ከም ዘሎና ዘዘኻኽረና እዩ ፣ እዚኣቶም ከኣ እቶም  መዓልታዊ እንረኽቦም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ክንካፈልን፣ ንድኻታት ኣብ ዜድልዮም ነገራት ብልግሲ ኽንህቦምን፣ ነቶም ዚሳቐዩ ኸነተባብዖም ከምኡውን ወትሩ ይቕረ ንምባልን ተስፋ ንምግባርን ድሉዋት ክንከውን ከም እትዕድመና ገለጹ።

ደጊሞም እውን ካብ ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምጥቃስ ፍቕሪ "ማእከል ወንጌል እያ!" በሉ።

"ፍቕሪ ማእከል ወንጌል እያ።"

ኣብነት ቅዱሳን

ቅዱስ ኣቦና ኣብነት ናይቶም ነታ ሓቀይና ፍቕሪ መሰኻኽር ዝዀኑ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየርን ዝበሃሉ ኽልተ ቅዱሳን ብምጥቃስ ስብከቶም ዛዘሙ ።

ኣብዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ክብረ በዓል ቅዱስ ስመ ማርያም "ፍቕሪ ኣቦ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ምልኩዓትን መልክዓ ኣብነታትን ዝኾነት ንርኢ ኣሎና።" እዚ ድማ ሓንቲ ፈጺማ ዘይትጥንጥነና ኣደ ብዘርኣየቶ ለውሃት ኢዩ።

ኣብቲ ጕዕዞኡ ወንጌላዊ ተእኾኡ ኣብ ሲንጋፖር ብዙሕ ግዜ ሓንጐፋይ ኢሎም ዚቕበልዎ ዝነበሩ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ከኣ ግብረ ሰናይ ካብ ትምህርቲ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ እተገንዘበ ቅዱስ ምዃኑ ንርኢ ኢና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ምእመናን ኣብነቶም ክስዕቡን ከምኡውን ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር "ጐይታይ እንሆኹ፣ እንታይ ክገብር ትደልየኒ፡” ንዝበሎ ቃል ክኾንዎን፣ "ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ጥራይ ዘይኰነስ ወትሩ ነቲ ኻብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ናባና ዝመጽእ ዘሎ ንኽንፋቐርን ብማዕረ ንኽንነብርን ዘቅርበልና ዕድመ ንምስማዕን ምላሽ ንምሃብን ከም ቀጻሊ ቘራጽነት ገይሮም ከሰንዩና ኢዮም ፍቓዶም፣” ብምብላ ስብከቶም ዛዘሙ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሲንጋፖር
12 September 2024, 15:01