ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ እተዘንትው መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ እተዘንትው መጽሓፍ   (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ እተዘንትው መጽሓፍ

ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ መደባቶም ሓደ ምስ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑን ኣብቶም ዘካየድዎም ርክባት ዝለገስዎ ምዕዳን እተዘንተው ብቤት ማሕተም ቫቲካንን ቤት ማሕተም ጋርዛንቲ ዘሕተምዋ መጽሓፍ ንንባብ ኣብቂዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን እተዘንተው ብቤት ማሕተም ቫቲካንን ቤት ማሕተም ጋርዛንቲን "ለዋሃትን ተባዓትን ኵኑ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት መጽሓፍ ካብ ዕለት 17 መስከረም ጀሚራ ንንባብ ከም ዝበቐዓትን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስቶም ኣብተን ዝበጽሕወን ሃግራት ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ዘካየድዎ ርክብን ዘተን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን እተቕርብ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትርጒም ተልእኾ

እቲ ኣርእስቲ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝተራኸብዎም ኣሕዋቶም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘስምዕዎ መልእኽቲ ፍቕሪ ዘዘኻኽር ኮይኑ፡ እዚ ውን ናይ ተወፋይነት ኣዋጅ ክኸውን እንከሎ፡ ብተወሳኺ ልክዕ ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ብሕታዊ ርክብ ብምክያድ ዝገለጽዎ ዓሚቝ ትርጉም ተልእኾኦም ብኣጽንዖት ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣባ ስፓዳሮ ኣብታ ዝደረስዋ መጽሓፍ የነጽሩ።

ክብርታት ር.ሊ.ጳጳሳት

ኣባ ስፓዳሮ ምስኦም እናተጓዕዙ ነቲ ቅዱስነቶም ብግሊ ምስቶም ኣብ ዝበጽሕወን ሃገራት ምስ ዘገልግሉ ዘካየድዎ ርክብ ብቐረባ ብምክትታል ነቲ ፍጻሜ ዘንትዉ ሎሚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ዓሰርተ ሸሞንተ ርክባት ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጠርኒፎም ንንባብ ከም ዘብቅዑን፡ ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክብርታት ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም የረድኡን የራኽቡን እዚ ኸኣ ካብ ጸጋ ክሳብ ምጽንናዕ: ካብ ናጽነት ናብ ተስፋ: ክሳብ ብዘይ ፍርሒ ክፉት ምዃንን ድልውነት ናብ ምሕዳስ - ብእምነት: ከምኡ’ውን ብሕግን ስነ - ምግባርን - ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ መለለዪ "ቅዲ ኣምላኽ" ዝኾነ ቅርበትን ርህራሄን ንኻልኦት ንምርኣይ ዝብል ምዃኑ ኣባ ስፓዳሮ ኣብታ መጽሓፍ የብርሁ።

19 September 2024, 16:23