ር. ሊ. ጳ.፦ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታን ጸሎትን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባርሳሎጎ ቡርኪና ፋሶ እተፈጸመ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐተለን ንብዙሓት ካልኦት ዘቝሰሉን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰነንዎ። ምስተን እተጐድኣ ስድራ ቤታት ዘለዎም ዓሚቝ ቅርበትን እተሰምዖም ጓህን ሓዘንን ድማ ገልጹ ።
ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ኣብ ረሲፊ ብራዚል ዚርከብ ቤተ መቕደስ ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ብዜሕዝን መገዲ ናሕሲ ናይቲ ቤተ መቕደስ ብምፍራሱ እተጐድኡ ሰባት ጸሎት ኣዕረጉ፣ ነቶም በዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ብዙሓት ድማ ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ ።
ንዩክረይን ቀጻሊ ሓልዮት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት መሰረታዊ ነገራት ከም ዘይረኽቡ ዝገበረ ዕንወት ናይ ጸዓት ትሕተ ቅርጺ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምጕላሕ ንህዝቢ ዩክረይን ዘለዎ ሻቕሎት እንደገና ገለጹ ።
ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ሰላም ንኽህሉ ዝቐረበ ምሕጽንታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሃማስን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቶም ውን ምሕጽንታ ኣቕረቡ፣ ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ቃዛ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታትን ክወሃቦም ብምምሕጻን፣ ብህጹጽ ነቲ ውግእ ደው ከብልዎን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ከውጽእዎምን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ዓለም ንፍጥረት እትጽልየላ መዓልቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕለት 1 መስከረም መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረት ከም ዝዀነት ብምዝካር ንኣከባቢያዊ ተፈጥሮ ንምዕቋብ ብሓባር ህጹጽ ስጕምቲ ኺውሰድ ጻውዒት ኣቕረቡ ።
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ቸኮስሎቫክያ ብሰማዕትነት እተቐትለ ብፁዕ ያን ሃቭሊክ ዝተባህለ ተምሃራትይ ዘርኣ ክህነት ሎሚ ብጽዕናኡ ምእዋጁ ምልክት ክርስቲያናዊ ስደት ዘለዎ መጠን ኣገዳስነት ውን ኣስተንተኑ ።
ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሓዋሩ ጕዕዞ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 2-13 መስከረም ናብ ኢንዶነዥያ ሲንጋፖር ፓፕዋ ኒው ጊኒ ከምኡውን ቲሞር-ለስተ ዝገብርዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ንኺረኽቡ ኩሎም ምእመናን ምእንትኦም ክጽልዩ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።