2024.09.27 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤልጅየም ካብ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ይራኸቡ 2024.09.27 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤልጅየም ካብ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ይራኸቡ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤልጅየም ካብ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ይራኸቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 27 መስከረም ቀዳማይ ውዕሎ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስ ሓደ ጉጅለ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ውሉደ ክህነት ምስ ዝደሓኑ ብዘካየድዎ ዕጹው ርክብ ይዛዝሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎኦም ኣብታ ሃገር ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ እተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝደሓኑ 17 ሰባት ብምርኻብ ከም ዝዛዘሙ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብመልኽቲ ቴሌግራም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፥ "እቲ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ግላዊ ርክብ፡ ግዳያት ውልቃዊ ታሪኾምን ዝወረዶም መከራን ኩሉ ንቅዱስ ኣቦና ከም ዘካፈሉን፡ ከምኡ'ውን ቤተ ክርስቲያን ነቲ መዓት ግህሰት ንምምካት ኣብ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ ተስፋኦም ክገልጹ ዕድል ዝሃበ" ምንባሩ ዝሓበረ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. "እቶም ግዳያት ዓመጽ ብዛዕባ ትብዓቶም ዓሚቕ ምስጋናኦም ብምግላጽ፡ ብህጻንነቶም ብኢድ እቶም ክከላኸሉሎም ዝግበኦም ካህናት ዝወረዶም ግህሰት ዝስምዖም መሪርን ዓሚቕ ሕፍረትን ገሊጾም . . . ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና እቶም 17 ካብ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝደሓኑ ንተወሳኺ መጽናዕቲ ዘቕረብዎ ሕቶታት እውን ከም ዘስተብሃሉን እቲ ርክብ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ቅድሚ ሰዓት 09፡00 ምሸት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

28 September 2024, 16:50