ድለ

2024.09.29 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊባኖስ፣ ጋዛ፣ ፍልስጥኤም፣ እስራኤል ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም 2024.09.29 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊባኖስ፣ ጋዛ፣ ፍልስጥኤም፣ እስራኤል ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሊባኖስ፣ ጋዛ፣ ፍልስጥኤም፣ እስራኤል ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ዓቢ ስክፍታ ይፈጥረሎም ምህላዉ ገሊጾም፡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኩሎም ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ተኽሱ ደው ከብሉ ጻውዒት ብምቕራብ፥

ኩሎም ወገናት ኣብ ሊባኖስ፡ ኣብ ቓዛ፡ ኣብ ዝተረፈ ክፋል ፍልስጤምን ኣብ እስራኤልን ብህጹጽ ተኹሲ ደው ከብሉ እሓትት። . . . ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ኣለዎም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ክፍቀድ ኣለዎ!”  ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እናገደደን ይቕጽል ኣሎ” ነዚ ኵሉ ድማ “ብቃንዛን ብዓብይ ስክፍታን ይከታተሎ ኣለኹ” ቢሎም፥

“ሊባኖስ መልእኽቲ እያ” እንክብሉ ነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ገሊጾም፡ “ኣብዚ ህሞት’ዚ ግን፣ ዝቕደድ ዘሎ መልእኽቲ ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰንበት ኣብ ሊባኖስ ዝያዳ ዕላማታት ሂዝቦላህ ከምዝወቕዐን ካልእ ላዕለዋይ መራሒ ሂዝቦላህ ከምዝቐተለን ኣብ ግለጸሉ እዋን፥ እዚ ድማ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሞት ሓሰን ናስራላሕ ድሕሪ ምርግጋጹ ሓደ መዓልቲ ቁስነቶም ዘቕረብዎ ጻውዒት ኮይኑ፥ እዚ ድማ ሰፊሕ ኲናት ከይካየድ ስግኣት ኣዕሚቑ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር። በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ከም ዝቖሰሉን እስራኤል ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሌኣ ዝወረደ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሓማስ ን11 ኣዋርሕ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ ደብዳብ ብዙሓት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ድማ ከም ዘቑሰለን ንብረት ከም ዘባደመን ናብ ዶባት ሊባኖስ እውም እናሰፈሐን እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም፥ “እዚ ውግእ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣለዎ: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ የሕልቕ ኣሎ . . . ምእንቲ እቶም ግዳያትን ንስድራቤቶምን ጸሎት ክግበር ሓቲቶም፡ ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን ድማ ከይርስዓ ተላብዮም፡ . . . ንሰላም ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 መስከረም መበል 110 ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ብምዝኽካር እዚ እውን “እግዚኣብሔር ምስ ህዝቡ ይመላለስ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘከረ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም "ካብዛ ንብዙሓት ስደተይናታት መዓልቦ ኮይና ዝጸንሐትን ሕጂ'ውን ዘላ ሃገር ቤልጅየም፡ ንኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ተርእዮ ስደት ከም ሓደ ኣብ ሕውነት ብሓባር ንኽንዓቢ ዝድርኽ ዕድል ኮይኑ ክርአ ጻውዒተይ አሐድስ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“ንኹሉ ሰብ ድማ ኣብ ገጽ ነፍሲ ​​ወከፍ ስደተይና ሓውን ሓፍትን፡ ወጅሂ ናይቲ ኣብ መንጎና ጋሻን ነጋድን ዝኾነ ኢየሱስ ክርኢ እዕድም።”

ብጽእና ንጉስ ባውዱይን

ምስ በሉ “ንጉስ ባውዱይን ከም ናይ እምነት ሰብ፡ ኣብነቱ ንመራሕቲ ከብርህ ዝግብኦን መስርሕ ብጽዕና ከጀምሩ” ሓሳብ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥

“ጳጳሳት ቤልጅየም ነዚ ዕላማ እዞ ንምስጓም ቃል ክኣትዉ እሓትት”

“ንጉስ ባውዱን፡ ናይ እምነት ሰብ፡ ኣብነቱ ንመራሕቲ ከብርህ ዝግብኦ”

ዝበሉ ቅዱሰንቶም ንሰላምን ሕውነትን ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ንቤልጅየማውያን ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን እንግዶትን ነቶም ኵሎም እዚ ዑደት እዚ ክውን ክኸውን ንዘዳለዉን ኣብ ስራሕ ንዝተዋፈሩን አመስግን፥  ነቶም ካብ “ሆላንድን ጀርመንን ፈረንሳን ነዛ ዕለት እዚኣ ንምክፋል” ዝተጓዕዙ ብዙሓት ምእመናን እውን ኣመስጊኖም፡ ህያብ ሰላም ነማላድነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቕሪቦም፥

“ብኣማላድነት ማርያም ኣቢልና ንእግዚኣብሔር ህያብ ሰላም፡ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን፡ ፍልስጤምን እስራኤልን፡ ንሱዳን፡ ንሚያንማርን ኩለን ብኲናት ንዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራትን ንለምን”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 September 2024, 14:12