ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ እስያን ኦሽያንያን ህያውን ዜሐጕስን እምነት ተዓዚበ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደትን ብምስትንታን፦
"ቤተ-ክርስትያን ኣዝያ ዓባይን ህያውን እያ!"
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ንኣምላኽ ስለቲ ኣብ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዝገብረሎም ህያባት ኣመስገንዎ፣ ብኣኡ ድማ ኣዝዮም ስለ እተደነቑ "ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ማሕበረሰባት ክርስትና ተራኸበ፣" ክብሉ ምስክርነት ሃቡ።
ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ
ቅዱስ ኣቦ ኣስትንትኖኦም ብምቕጻል ኻብቶም ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ቅዱሰ ዮሓንስ መበል 23 ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ቫቲካን ብባቡር ናብ ኣሲሲን ሎሬቶን እተጓዕዙ ምዃኖም ዘከሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ግን "ብነፋሪት" ንመጀመርታ ግዜ ሓዋርያዊ ዑደት ዝገበሩ ጳጳስ ኢዮም ዝነበሩ ።
ብ1970 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ፊሊፒንስን ኣውስትራልያን ብምኻድ ኣብ ሓያሎ ሃገራት እስያን ደሴታት ሳሞዋን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብክያድ እቶም "ናብ ምብራቕ ጸሓይ ገጾም" በረራ ዘካየዱ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝዀኑ ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ኣብነቶም ክስዕብ እኳ እንተ ፈተንኩ ካብቲ ንሶም ኣብቲ ግዜእቲ ዝነበሮም ዕድመ ብሒደት ዓመታት ስለ ዝሸምገልኩ ግን ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ጥራይ ማለት ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ምብራቕ ቲሞር ከምኡውን ሲንጋፖር ጥራይ እየ በጺሐ።
ብምቕጻል ድማ ቅዱስነቶም "ንጐይታ ብጣዕሚ ኢየ ዘመስግኖ ፣ ነቲ ኣነ ከም መንእሰይ ኢየሱሳዊ ኮይነ ክገብሮ ዝደሊ ዝነበርኩ ከም ዝሸምገለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ንክገብሮ ዕድል ሃበኒ፣” ክብሉ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህቶ ቤተ ክርስትያን ካብ መጠን ንላዕሊ ማእከልነት ኤውሮጳ ዘተኮረት ኢያ ዘላ ወይ ከኣ "ከምቲ 'ምዕራባዊት' ተባሂላቶ ዘሎ" ካብኡ ንላዕሊ ኣዝያ ዝዓበየት ምዃና ኣፍልጦ ሃቡሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ማሕበረሰቦም ግዜ ስለ ዘሕለፉ ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ከምኡውን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝህብዎም ምስክርነት ምስ ሰምዑ፣ እዘን ኣብያተ-ክርስትያን እዚኣተን "ብሃይማኖታዊ ምስዳዕ ዘይኮነስ ብምስሕበተን" ነኣድወን።
ኢንዶኔዥያ
ኣብ ኢንዶነዥያ ምእመናን ክርስትና ዳርጋ 10 ሚእታዊት ካብቶም ነባሮ እንክኾኑ 3 ሚእታዊት ዝዀኑ ከአ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ይዝክር።
"እንተዀነ ግን ኣብታ ንፍልልያት ጽን ናይ ምባል ክቡር ባህሊ ዘለዋ ሃገር፣ ንወንጌል ክትነብሮን ከተመሓላልሮን እትኽእል ህያውን ብርዕትን ቤተ-ክርስትያን ኣጓኒፉትኒ ኢያ፣ ምስናይዚ እውን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እቲ ዝዓበየ ሕብረተ ሰብ ኢየ ዝረኸብኩ።"
እቲ ናብ ኢንዶነዥያ ዝገበርዎ ምብጻሕ "እምነት ሕውነት ርሕራሔ" ዝብል ጭርሖ ኢዩ ዝነበሮ - በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢለ ከአ ንወንጌል መዓልታዊ ናብ ህይወት እዞም ሰባት እዚኣቶም ብምስራጽ ጸጋ ናይቲ ዝሞተን ከም ብሓድሽ ዝተንስአን ኢየሱስ ክርስቶስ ይቀርበኮምን ይቕበሊን ከም ዝለዉ ርእየ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዘን ቃላት እዚኣተን "ከም ድልድል" ከምኡውን "ከምቲ ንካቴድራል ጃካርታ ምስቲ ኣብ እስያ ዚርከብ ዝዓበየ እስላማዊ መስጊድ ዜራኽብ ናይ ትሕቲ ምድሪ መተሓላለፊ" ምዃነን ገለጹ።
ንሰላም ኣንጻር ውግእን ንምዕያይ "ኣብኡ ሕውነት መጻኢ ምዃኑ ርእየ ኢየ " ብምባል ኣድናቖቶም ገለጹ።
ፓፕዋ ኒው ጊኒ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ምስ በጽሑ ውን ኣባኡ "ጽባቐ ናይ ሓንቲ ልእኽቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን" ከም ዝተዓዘቡ ኣመልከቱ።
ነቶም አብቲ ሰፊሕ ሰላማዊ ውቅያኖስ ተዘርጊሐን ዝርከባ እኩባት ደሴታት ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌልን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ውን ዘከሮም።
"ንእተወሰነ እዋን ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ንኡካነ ወንጌልን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ብምርኻበይ ልባዊ ሓጐስ ተሰምዓኒ፣ መዝሙራትን ስነጥበባዊ ስርሓትን እቶም መንእሰያት ከስተማቕር ከኣልኩ - ኣባኡ ኸኣ ብዘይ ቀቢላዊ ዓመጻ፣ ብዘይ ጽግዕተይናነት፣ ብዘይ ቍጠባዊ ወይ ሥነ ሓሳባዊ መግዛእቲ ዝኾነ ንዘለዎም ሓድሽ መጻኢ ረኣኹ፣ እዚ ከአ ናይ ሕውነት ኣብ መጻኢ ከምኡ ውን ባህ ዜብል ሓልዮት ተፈጥሮኣዊ ሥነ ኣከባቢ ኮይኑ ረኺበዮ" በሉ።
ፓፕዋ ኒው ጊኒ ነቲ ብወንጌል እተነግረና "መባዅዕቲ" ምኳን ዝብል ዘይነጻጸል ምዕባለ "ቤተ-ምርምር" ክትከውን ከም እትኽእል እውን ገለጹ።
ቲሞር-ለስተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ኣብ እስያ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ካቶሊካዊት ዝዀነት ሃገር ቲሞር ለስተ ምስ በጽሑ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝመስከርዎ ኣብ መንጎ እምነትን ባህልን ዘሎ ፍረዘለዎ ርክብ እንደገና ኣረጋገጸጹ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ "ልዕሊ ዅሉ ግና ብጽባቐ እቶም ህዝቢ ተተንከፍኩ፣ እተፈተነ ግናኸ ሕጉስ መከራ ዜሕለፈ ጥበበኛ ህዝቢ። ብዙሓት ቈልዑ ዜዕብዩ ጥራይ ዘይኰኑስ ፍሽኽታ ዚምህሮም ህዝቢ"።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንፍሽኽታ እቶም ቈልዑ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ" ክብሉ መስከሩ ።
ቅዱስ ኣቦና ብዙሓት ቈልዑ ብምርኣዮም ኸም እተሓጐሱ ውን ገለጹ፣ ከምኡ ውን መንእሰያት ናይታ ሃገር ዘለዎም ንጡፍ ተሳትፎ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክርእዩ ብምኽኣሎም "ናይ ጽድያ ኣየር" ከስተንፍሱ ከም ዝኸኣሉ ውን ኣመልከቱ።
ሲንጋፖር
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ዘመናዊት ቍጠባዊት ማእከል ዝኾነት ሃገረ ሲንጋፖር በጽሑ።
ምእመናን ክርስትና ሒደት እኳ እንተዀኑ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ዓሌታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ስኒትን ሓድነትን ከም ዝህሉ ዝገብሩ ህያው ቤተ-ክርስትያን ብምዃኖም ነኣድዎም።
"ወላ ውን ኣባታ ሃብታም ዝኾነት ሲንጋፖር ከይተረፈ ንወንጌል ዝስዕቡ ጨውን ብርሃንን ዝዀኑ ካብቲ ቝጠባዊ ረብሓ ንላዕሊ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ተስፋ ዘለዎም መሰኻኽር ኢዮም" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ንኣምላኽ ስለቲ ዝኻይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምምስጋንን ንዅሎም እቶም ዝበጽሕዎም ሰባት ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምሃብን ኣስተምህሮዖም ዛዘሙ ።