ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ውሉደ ክህነት ቤልጅየም: ኣገልግሎትኩም ሓጎስን ምሕረትን ዝመልኦ ይኹን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤልጅየም ምስ ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦም ኣብ ቅድሚ እቲ መሪር ተመክሮታት እውን እንተኾነ ነቲ ወንጌላዊ ክብርታት ሓጎስን ምሕረትን ዘንጸባርቑ ክኾኑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ናብ ቤልጅየም ዕለት 28 መስከረም ምስ ናይታ ሃገር ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓዩ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ኮልከልበርግ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ከም እተራኸቡን፡ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ኣብ ኵሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ናይ ምእዋጅ ተልእኾ ዘተኮረ ከም ዝነበረን። መጀመርያ ብዛዕባ መንገዲ ስብከተ ወንጌል ክዛረቡ እንከለዉ፥ ምዕራባውያን ሃገራት ናይ እምነት ቅልውላው የጋጥመን ከምዘሎ ብምዝኽካር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ ከይተዳለወት ነዚ ቅልውላው እዚ ምግጣም፥ ነቲ ቅልውላው “ዳግማይ ዘበራብረናን "መገድታት መንፈስ" ዳግማይ ንኸነለልይ ከም ዕድል ጌራ ክትቅበሎ ኣለዋ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ካብ ኣብ ምቕባል ማሕበራዊ ኵነታት ዝርከብ ክርስትና ናብ 'ውሑዳን' ክርስትና ወይ ድማ ብዝያዳ ናብ ናይ ምስክርነት ክርስትና ከምዝተሰጋገርና ዘርኢ'ዩ" ከም ዝበሉን . . . ካህናት ቤልጅየም ንኢየሱስ ክርስቶስ ከፍቅሩን ምስ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብቐረባ ክመላለሱን ኣብ ብዙሕነት ስኒት ክደልዩ ዓዲሞም፥

ቀጺሎም ነቲ ካብ ምሕላፍ ስምዒታዊ ባህታ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ነፍስ ኣዕሚቑ ዝጥሕል ሕይወት ክርስትና ንምቕጻል ኣብ ጸልማት ወይ ቃንዛ ህሞት እውን እንተኾነ ወንጌላዊ ኣተሓሳስባ ሓጎስ ክህሉ ኣለዎ . . .

“ናይ ልቢ ሓጎስ ብወንጌል ዝጎሃሃር እዩ . . . ኣብ ጉዕዞና በይንና ከምዘይኮንናን ኣብ ድኽነትን ሓጢኣትን ጸበባን ኩነታት እውን እንተኾነ ኣምላኽ ቀረባና ኣብ ምዃኑ ምፍላጥ እዩ።"

ተኣማንነት ከቢድ ኣብ ዝመስለሉ ህሞታት፡ ጉስነታዊ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስትያናዊ ጉዕዞና ናበይ ከም ዝመርሕ ክዝክሩን ካብ ክርስቶስ ሓይሊ ክረኽቡን ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ መሓሪ ምዃኑ ብምዝኽካር ኣገዳስነት ምሕረት ኣስሚሮም፥

እግዚኣብሔር ኣቦ "ፍቕሩ ካባና ፈጺሙ ኣይስሕብን እዩ . . . ዋላ'ውን ከቢድ ሓጢኣት ኣብ ዝፈጸምናሉ እዋን እተኾነ። ብዓለማዊ ኣገላልጻ እንተተራእዩ፡ እቲ ሰፊሕ ምሕረት ኣምላኽ "ዘይፍትሓዊ" ይመስል፡ እንተኾነ ግን ፍትሒ ኣምላኽ ካብዚ ንላዕሊ ከም ዝኸይድን ንኹሉ ሰብ "በደሉ ከዐሪ" ከም ዝጽውዕን ኣብሪሆም፡ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቓይን ዓሚቕ ቁስልን ከምዘስዓበን ንመገዲ እምነት ከይተረፈ ከምዘዳኸመን" ኣመልኪቶም። “ኣብ ቅድሚ ስቓይ ግዳያት ልብና ከይነትርር ብዙሕ ምሕረት የድሊ፡ በዚ ከምዚ ኽኣ ቅርበትና ክስምዖም ክንሕግዞምን ዝከኣለና ኩሉ ሓገዝ ከነቕርብን ክንክእል ኢና - ምስ በሉ - ንካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ቤልጅየም ወትሩ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘቕርቡን ኣብ ዝጸልመተ ህሞት ብርሃን እምነት ክበርህ ስለ ዝፈቐዱን ድማ ኣመስጊኖም፥

"ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 September 2024, 16:53