ድለ

2024.09.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኢንዶነዥያ ተፋንዮም 2024.09.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኢንዶነዥያ ተፋንዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኢንዶነዥያ ተፋንዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዥያ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ብምዝዛም ናብ እስያን ኦቻይናን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ካልኣይ መድርኽ ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ከም ዝኸዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ኢንዶነዥያ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ወከልቲ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ማሕበራትን ብናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኢግናስዮስ ሱሃርዮ ሃርድጆኣትሞድጆን ወግዓዊ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ከም እተገበረሎምን ነቶም ከፋንይዎ ዝተኣከቡ፡ ከምኡ’ውን ንኣባላት ሰራሕተይናታት መዓፍሮ ነፈርቲ ሰላምታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ምሸት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት በረራ ዳርጋ 4700 ኪሎ ሜተር (3000 ማይልስ) ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ሞረስቢ ኣብ ዝርከብ ጃክሶንስ ዓለም ሓቆፍ መዓፍሮ ነፈርቲ ብአቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 11፡20 (ብአቆጻጽራ ፓፑዋ ነው ጊኒ ሰዓት 19፡20 ምዃኑ እዩ) ከም ዝኣተዉን ናይታ ሃገር ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትሪ ወግዓዊ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎምን ንኽብሮም 21 መድፍዕ ከም እተተኮሰን ናይታ ሃገር ክቡር ዘበዓይና ንኽብሮም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ፓፑዋ ነው ጊኒ ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰመዐ ልኡካናቶም ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ተኻይዱ ምስ ኣብቀዐ ብኣቆጻጽራ ፓፑዋ ነው ጊኒ ሰዓት 19፡20 ደቓይቕ ንምሕዳሮም ኣብ ፖርት ሞረስብይ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ከም ዝኸዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 September 2024, 15:58