ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 46 ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም
እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰንይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣካላትን ልኡካን ጋዜጠይናታት ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝተሳፈሩላ ጳጳሳዊት ነፋሪት ሰዓት 13፡21 ድሕሪ ቀትሪ ተበጊሳ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ከም ዘነበሩን እታ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ካብ ብራሰለስ ልክዕ ሰዓት 13፡21 ድሕሪ ብናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ሃይማኖታትን መራሕቲ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰዓታት በረራ ሮማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ከባቢ ሰዓት 15፡00 ከም ዝኣተወት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። ሰዓት 15፡00 ብሰላም ሮማ ከም ዝኣተዉን፥ ቅዱሰንቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ ምምላሶም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት፥ ንንጉሳዊ ስድራ ቤት በልጂየምን ህዝብን ጀርመንን ኦስትሪያን ኢጣሊያን፥ ናይ ሰናይን ሰላምን ከምኡ እውን መገዲ ተስፋ ኣብ ዘርህው ከይዲ ክምዕበል ምንዮቶምን ጸሎቶም ዘረጋገጽሉ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
30 September 2024, 16:45