2024.09.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ክርስቶስ ንዝዓሞቐ ሓድነት ተጸዊዕና ኣለና' 2024.09.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ክርስቶስ ንዝዓሞቐ ሓድነት ተጸዊዕና ኣለና'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ክርስቶስ ንዝዓሞቐ ሓድነት ተጸዊዕና ኣለና'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ተመሃሮ-ፓክስ ሮማና ብምርኻብ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ንዓለም ምእንቲ ክቕይራ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ጎይታ ኢየሱስ ክቐርቡ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኩላትና ኣብ ጉዕዞ ዘለና ነጋድያን ኢና፡ ምስ ጎይታ ኢየሱስ ምዉቕ ሕብረትን ንሕይወትናን ነዛ እንነብረላ ዓለምን ንምቕያር ንሓይሊ ጸጋኡ ክፉታት ንኽንከው ተጸዊዕና ኢና” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ተመሃሮ - ፓክስ ሮማና ዕለት 20 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣስተብሂሎም ብካቶሊካዊ እምነቶም ዝተደፋፍአ ማሕበራዊ ፍትሕን ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ንምድንፋዕ ንዝገበርዎ ተወፋይነት የመስግኑ።

ሓቀይና ማይ ብሑቝ ወንጌል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ህላወኹምን ንጥፈታትኩምን ኣብ ስነ ትምህርታዊ ምድላዋት ይኹን ኣብ ስራሕ ቦታታት ይኹን ኣብ ጎደናታት ከተማ ዝያዳ ርህሩህን ስኒትን ሕውነታዊትን ዓለም ንምቕራጽ ብምስራሕ ነዚ ዕላማ እዚ ተገልግሉ" እንክብሉ ኣዘካኺሮም፥ እቲ ምንቅስቓስ "ስምዒት ዓለማዊ ዜግነት ብምምዕባልን ብደረጃ ከባቢ ስጉምቲ ብምትብባዕን" "መንእሰያት ኣብ ዘመንና ዘሎ ተኣፋፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘለዎም ርድኢት ከዕምቁ ዘኽእሎም ጥራይ ዘይኮነስ . . . ሓይል ዝህቦም እዩ" ምስ በሉ፥ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ጽልዋ ዘለዎ ለውጢ ንምስፋሕ፡ በዚ ድማ ከም ሓቀይና ማይ ብሑቝ ወንጌል ኮይኖም ከገልግሉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ቅዱስ ዓመትን ሲኖዶስን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝመጽእ ዓመት 2025 ዓ.ም. ኢዮቤል “ንውልቃዊ ምሕዳስን ብመንፈሳዊ ሃብትታት እንዓብየሉ ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብምውህሃድ ብሓጎስ ከም ፍሉይ ዕድል ክቕበልዎ” ተላብዮም ብተወሳኺ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ካልኣይ ኣኼባ፡ ኩሉ ሰብ "ንህዱእ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ኣቓልቦ ብምሃብ" ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳዊ ጉዕዞ ብንጥፈት ክሳተፍ ኣተባቢዖም። "ህላዌኹም ኣብ ሮማ፡ ከምኡ'ውን ሎሚ ዘሎና ኣኼባ፡ ንዕብየት ሰላም፡ ስኒት፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ምሕረትን ክትሰርሑ ንእትገብርዎ ጻዕሪ፡ ምንጪ ሓድሽ ምትብባዕ ክኸውን ተስፋይ እዩ"  በዚ ኸኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ንምስፋሕ ኣትገብርዎ ጻዕሪ ምንጪ ሓድሽ ምትብባዕ ክኸውን እትስፎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

20 September 2024, 16:40