ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ወጻኢ ሃገራት ተበጊሶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ወጻኢ ሃገራት ተበጊሶም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ወጻኢ ሃገራት ተበጊሶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ቲሞር-ኢስትን ሲንጋፖርን ዘካይድዎ መበል 45 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ዕለት 2 መስከረም 224 ዓ.ም. ብኣቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 17፡32 ደቓይቕ ነቒሎም ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ጃካርታ ብምእታው ብወግዒ ጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት እስያን ኦቻይናን ዘካየድዎ ናይ 12 መዓልታት ዑደት ዕለት 2 መስከረም ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ቅድሚ ምብጋሶም ሮማ ካብ ዝርከቡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ዝእለዩ 15 ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓኣትን ተራኺቦም ከም እተራኸቡን ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ነቶም ግዳም ሓደር ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዘሰነዩ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ግብረ ሰናይ ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ምንባሮም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመኪና ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ተጓዒዞም በቆጻጽራ ኢንዶነዢያ ከባቢ ሰዓት 11፡30 ጃካርታ ከም ዝኣተዉን ቅዱስነቶም ቅድሚ ምንቃሎም ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን፥ ኣብ መልእኽቶም፥ "ብእምነት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰብኣውነት ሃብታማት ዝኾኑ ኣህዛብ ንምርኻብ ብዝነበረኒ ድሌት ተደሪኸ ናብ ኢንዶነዥያ፡ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ቲሞር - ኢስተ፡ ሲንጋፖር ሓዋርያዊ ጉዕዞይ ክገብር እነቅል፡ መንፈሳዊ ክብርታት ከይተረፈ ኣብ ዝወድቀሉ እዋንን ኩነታትን ንሓድነትን ውህደትን ዘተን ምስክርነት ንትእህቡ ክቡር ርእሰ ብሔር ማታረላን ከምኡ’ውን ንዝፍትዎ ህዝቢ ኢጣሊያ ሰናይ ትምኒተይ አቕርብ፡ ብልባዊ ተስፋታት አሰንዮን ሰላምን ብጽግናን ድማ እምነየሉ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጢ – ቅዱሰንቶም ኣብቲ ኣብዚ ናብ ኢንዶነዢያ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ናብተን ናይ በረራ ዶባትን ንዘቋርጹለን ሃገራት ኣርእስተ ብሔራትን መራሕቲ መንግስታትን ማለት ንናይ ሃገረ ክሮኤሽያ፡ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን፡ ሰርብያ ወይ ሞንተነግሮ፡ ቡልጋርያ፡ ቱርኪ፡ ኢራን፡ ህንዲ፣ ማሌዥያ ፓኪስታን ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ኣብ መልእኽቶም፥ ንኹሉ ንናይዘን ሃገራት ህዝብታት ሰላምታ ኣቕሪቦም ብሕውነታዊ ስኒትን ምዕባለን ምእንቲ ክነብሩ ጸሎቶም እውን ከም ዘረጋገጹን ኣብ ልዕሊ ናይተን ሃገራት ህዝብታት ድማ መለኮታዊ በረኸት ሰላም፡ ሰናይ ህይወትን ሓድነትን ከም እተማሕጸኑን” ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 September 2024, 16:03