ድለ

2024.09.03 Viaggio Apostolico in Indonesia - Arrivo a Giacarta 2024.09.03 Viaggio Apostolico in Indonesia - Arrivo a Giacarta  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ በረራ ናብ ኢንዶኔዥያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ምስ ቅዱስነቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ናብ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝጕዓዙሉ ዝነበሩ በረራ ሓዋርያዊ ዑደቶም ቃል ሰላምታ ኣቕረቡሎ፣ ቀጺሎም ውን ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ኪበጽሑ ከምሰንይዎም ብምዃኖም ኣመስገንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ን12 መዓልቲ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት እስያን ኦሽያንያን ዝገበርዎ ምብጻሕ ንምክያድ ብመንገዲ ኣየር ITA Airways ናብ ጃካርታ ምስ ተበገሱ ድሕሪ 40 ደቒቕ ኣቢሉ ይኸውን፣ ብመሰረት እቲ ዝነበረ መደባት ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና እቶም ጋዜጥይናታት ናብቲ ዳህረዋይ ክፍሊ ናይታ ነፋሪት ንመራኸቢ ብዙሓን እተሓዝአ ቦታ ተቐመጡ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ መንፈስ ሓጐስ ድማ ክግለጽ ዘይከኣል ኢዩ ዝነበረ፣ እቶም ናይ ነዊሕ እዋን መሓዙትን ፈተውትን ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ዕላላት ጀሚሮም ሓሳባት ክለዋወጡ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሃንደበት እቲ ነቲ ክፍልታት ናይታ ነፋሪት ዝፈላሊ መጋረጃ ተኸፍተ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ሰላም ክብልዎም ተቐልቀሉ!

ኣብ ጫፍ ናይቲ መተሓላለፊ ደው ኢሎም ድማ ብምሉእ ፍሽኽታ ኣብቲ ሓውርያዊ ዑደቶም ነትም ዘሰንይዎም ዘለዉ ኣስታት 85 ዝኾኑ ጋዜጠይናታት ኣመስገንዎም።

ብድሕርዚ ኣብ መደብ ዘይነበረ ብየማነ ጸጋም ንዝነበሩ ጋዜጠይናታ ሰላም ንምባል ንነፍስወከፎም በእዳዎም ጨቢጦም ሰላም ንኽብልዎም ክሳብ ጣፍ ናይታ ነፋሪት በጽሑ።

እቲ ኣብ ጕዕዞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ "ክፍሊ ዜናን ማሕተምን" ዚከታተል ሳልቫቶረ ስኮሎዚ ክቡር ኣገልግሎእት ዘወፊ ከምኡውን ደኺመ ኸይበለ ዝጽዕር መራሒ ጋዜጠይናታት ንሓደስቲ ኣባላት ኣፋለጦም ስማቶምን ክፍሊ ሕትመቶምን ድማ ኣላለዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነፍሲ ወከፎም ዝኸውን ቓል ነበሮም ። ገሊኣቶም ኣብ ጭንቂ ንዘለዉ ፈተውቶም ክጽልዩሎም ሓተትዎም፣ ገሊኣቶም መቝጸርያኦም ክባርኹሎም ይሓትዎም ነበሩ፣ ገሊኣቶም ከኣ ልክዕ ከም ሓንቲ ንስደተኛታት ብጸልማት ናብ ደሓን ቦታ ንኽበጽሑ ዝሓገዘቶም ላምፓዲና ንቕዱስ ኣቦና ከም  ህያብ ኣቕረቡሎም።

ሓደ ኻብቲ ብፍላይ ዜማስወሉ ዝነበረ ህያብ ካምቻ ሓደ ቕድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ኣዕሩኹ ዅዕሶ እግሪ ኺጻወት ከሎ ኣብ ስጳኛ ብወግዒ እተቐትለ መንእሰይ እዩ።

ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራህ ከምኡውን ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባ ሓደ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዚነብር ስደተኛ ኣብ ጥቓኡ ኸም እተዓቝበ ዚሕብር መሰረት ዘይብሉ እዩ ነይሩ ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "አመስግነካ" ዝብልዎ ናብ ርሑቕ ኵርናዓት ምድሪ ክጐዓዝ ከሎ መልእኽቱን ጥቓኡን ብምምሕልላፉ ምዃኑ ተገንዘብኩ። እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቶም ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ እተገደዱ ጸልማትን ሓደገኛን ጕዕዞታት ዝጀመሩ እተነጽጉ እተገለሉ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከም የሱስ ብዘይፈጸምዎ ሓጢኣት እተፈርዱ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን እተፈርዱ ሰባት ዝገልጽ ዛንታ ንምዝራብ ኢዩ ነይሩ።

05 September 2024, 08:00