ር.ሊ.ጳ. ናብ መንእሰያት ቤልጅየም ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ 'ደሃይኩም ኣስምዑን ጸልዩን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ዕለት 28 መስከረም ምሸት ኣብ ቤልጅየም ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ብራሰልስ ኣብ ዝተኻየደ ሽዱሽተ ሺሕ መንእሰያት ናብ ዘሳተፈ ምርኢት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም መንእሰያት ብምርኻብ ናይ ዕለት 28 መስከረም ውዕሎኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እቲ “ Hope Happening - ተስፋ ይፍጸም” ብዝል መርሕ ቃል ተሰንዩ ብመንጽርን ኣስተንፍሶን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየድ ፍጻመ ኮይኑ፡ ንግደት፡ ምህዞ ዓውደ መጽናዕቲ እምነትን መንፈሳውነትን፡ ጭቡጥ ምርኢት ሙዚቃን ዘጠቓልል መደብ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ስታድዩም ንጉስ ባውዱይን ዝእንገድ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እዚ መደብ ብደገፍ ጉባኤ ጳጳሳት ቤልጅየም ኣብ ፍላንደርስ፣ ዋሎንያን ብራስለስን ዝርከባ ኣስታት 40 ማሕበራት መንእሰያት ክርስትያን ዝውደብ እውን ምዃኑ ይሕብር።
ኣብ ጎንኻ ዘሎ ጎይታ ዘክር
ነቲ ብኣስተንፍሶ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየድ መደብ መንእሰያት በልጂየም ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘዘኻኽር እዩ እንክብሉ ቅዱሰንቶም ነቶም መንእሰያት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣበጊሶም፥ ነቶም መንእሰያት ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ተላብዮም፣ ጎይታ ብፍቕሪ ክመርሖም ክፈቕዱ ድማ ሓደራ ከም ዝበሉ፡
"መንእሰያት ብዓውታ ደሃዮም ከስምዑ!" ተላብዮም፥ "ብዓውታ ደሃዩ ዘየስምዕ መንእሰይ ዘሰልክይ ኣብ ደውታ ዘሎን ንእስነቱ ዝሰኣነ ወይ ዘጥፈአ ንእስነቱ ዝናፍቕ እዩ ዝኸውን” ቢሎም፥ መንእሰያት ንጐይታ ኣብ ልቦም ብጸሎት ሒዞም ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ክጽዕሩ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኩሉ ግዜ ጸሎት
"ጸሎት ኣይትረስዑ - ምጽላይ ኣይትረስዑ" ዕላምኦም "ንምልዓል - ንምትንሳእ ሓፍ ንምባል" እንተዘይኮይኑ፡ ንኻልኦት ፈጺሞም ኣትሒቶም ከይጥምትዎም እውን ሓደራ ቢሎም፥ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ካብቲ ርክብ ቅድሚ ምስንባቶም ነቶም መንእሰያት ንሓደ ሕጻን ኣናመልከቱ፥ ከም ሕጻናት ንጹሓትን መንቅብ ዘይብሎምን ኩኑ . . . እንክብሉ ኣተባቢዖም፥
"እቲ እትርይዎ ዘለኹም ህጻን "ንሱ ካብ ኩላትና ዝዓበየ እዮ፡ ምኽንያቱ ኢየሱስ እቲ ዝዓበየ ከም ቆልዓ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ስለ ዝበለ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ምስ መንሰያት ዘካየድዎ ርክብ ተፋንዮም ንምሕዳሮም ናብ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ከም ዝኸዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።