ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ ዓቐን እዩ፡ ናብ ሰላም ዝውሰድ መገዲ ይርሕቕ ኣሎ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሲንጋፖር ናብ ሮማ ኣብ ዝተመለሱላ ነፋሪት ምስቶም ናብ እስያን ኦቻይናን ኣብ ዝገብርዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዘሰንዮም ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ኣብ መንጎ ሃሪስን ትራምፕን ኣብ ዝግበር ምርጫ ርእሰ ብሔር ህዝቢ ብሕልና ክመርጽ ከም ዘለዎን ምንጻል ጥንስን ምንጻግ ስደተይናታትን ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ብምኹናን ኣብቲ ምስ ቻይና ዝተገብረ ስምምዕ ድማ ዘለዎም እወታዊ ኣረኣእያ ገሊጾም፡ ቻይና ንቤተ ክርስቲያን መብጽዓን ተስፋን እያ ይብሉ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ፡ ንቕዱስነቶም ሰላምታ ኣቕሪቦም ነዚ ብዙሕ መዓልታት ናይዚ ጉዕዞ፡ ከምኡ'ውን ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ድኻም ንላዕሊ ናይ ህዝቢ ሓጎስ ክስምዓና ስለ ዝሓገዝኩምና የቐንየልና” ቢሎም ነቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ሕቶታትም ንኸቕርቡ ምስ ዓደሙ፥
ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም ጋጠይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ሕቶታቶም ንኸቕርቡ ድማ ዓዲሞም!
ጋዜጠይና ፔይ ቲንግ ቮንግ (ዘ ስትሬትስ ታይምስ)
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዝየ ሕጉስ እየ . . . ኣብ ሲንጋፖር ዝገበርኩሞ ምብጻሕ ኣስተማቒርኩሞ ምናልባት እውን ናይቲ ከባቢ መግቢ ጥዒምኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ብዛዕባ ባህልን ህዝብን ሲንጋፖር እንታይ ተዓዚብኩም? ዝገረመኩም ነገር ኣሎ ዶ? ሲንጋፖር ካብተን ካልኦት ሰለስተ ዝበጻሕኩመን ሃገራት እንታይ ክትመሃሩ ክኢልኩም? ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ርትዓዊ ደሞዝ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ስደተይናታት ዝበልክምዎን ኣብ ብዙሓት ሲንጋፖራውያን ዝበጸሐ ጉዳይ ንኽትዛረቡ ዘነቓቓሓኩም እንታይ እዩ: ብዛዕባኡኸ እንታይ ሓሳብ ኣለኩም፧ ኣብ መወዳእታ ሲንጋፖር ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ፍሉይ ተራ ኣለዋ ኢልኩም። ሲንጋፖር ኣብዛ ብውግእ እትልለ ዓለም እንታይ ክትገብር ትኽእል፡ ቫቲካንከ ብስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገባብ እንታይ ኣበርክቶ ክትገብ ይኽእል?
የቐንየለይ። ብመጀመርታ ሲንጋፖር ካብ ዝሓስቦ ንላዕሊ እያ! “ናይ ምብራቕ ኒው ዮርክ!” እንክብሉ ድማ ብምግላጽ፡ ጭዋ ሰባትን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታትን ዓቢ ሃይማኖታዊ ባህልን ዘለዋ ምዕብልትን ጽሪትን ሃገር። እቲ ዝገበርክዎ ሃይማኖታዊ ርክብ ድማ ኣብነት ሕውነት እዩ ነይሩ።
ምዕሩጋት ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ርእየ፡ ድሕሪኡ ድማ ካልኦት ከምቲ ዕዙዝ እኳ እንተዘይኮኑ፡ ገና ጽሩያትን ጽቡቕ ምሕደራን ከም ዘሎ ርእየ፡ እዚ ድማ ኣድኒቐዮ። ኣድልዎ ዝህሉ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ብባህላን ብፍላይ ድማ ምስቶም ተማሃሮ ዘካየድክዎ ርክብ ኣዚየ እየ ዝተተንከፍኩ። ንኣብነት ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ በቲ ናይታ ሃገር ባህሊ ብዙሕ ተተንኪፈ እየ።
ደሓር ከኣ ኣህጉራዊ ተራ ሲንጋፖር፥ . . . ዝተፈላለዩ ባህልታት እትስሕብ ርእሰ ከተማ ብምዃና ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ዓቢ ተራ ኣለዋ፤ ዓባይ ከተማ እያ። ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ክረእይ ኢለ ኣይተጸበኹን።
ሕቶ፡- እንታይ ተማሂርኩም?
ኩሉ ግዜ ክትመሃሮ ዘለካ ነገር ኣሎ፡ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሃገርን ዝተፈላለየ ሃብቲ ስለዘለዎ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ሕውነት ኣብ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ ቲሞር - ለስተ ብዙሓት ቆልዑ ርእየ፡ ኣብ ሲንጋፖር ግን ክንድኡ ኣይረኣኹን። . . . መጻኢ ኣብ ቆልዑ’ዩ፤ ነዚ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ነበርቲ ሲንጋፖር ኣዝዩ ምሕዝነት ዝመልኦም እያቶም - ኩሉ ግዜ ፍሽኽታ ዝዓሰሎም እያቶም!
ደልፊም ደ ኦሊቨራ (ጂኤምኤን ቲቪ)
ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ታሲ ቶሉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘዕርግክምዎ ቅዳሴ ፡ ቲሞር - ለስተ ገርሀይናን ባህ ዘብልን ስድራቤታዊ ባህሊ ኣለዋ። ቆልዑ ብዙሓት እዮም፣ ኣዝዮም ብዙሓት! . . . ነቲ ዘለካ ስኒት ከበላሹ ዝኽእል ካብ ደገ ዝመጹ ሓሳባት ጠቒስኩም። ኣብ ቲሞር - ለስተ ካቶሊካውያን ዝበዝሑ እኳ እንተኾኑ፡ ዕብየት ኑፋቄታት ግን ኣሎ። . . . ኩለን ሃይማኖታት ክኽበራ ኣለወን፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ኑፋቄን ግን ፍልልይ ኣሎ። ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣድማሳዊ እዩ። ሓደ ኑፋቄ ቀይዲ በተኽ እዩ፤ ኩሉ ግዜ ዝተፈላለየ ዝክረ ነገራት ዘለዋ ንእሽቶ ጉጅለ እዩ። . . .
ፍራንቸስካ ክሪስቲ ሮዛና (ጉጅለ ሚድያ ቴምፖ)
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የቐንየልና። ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮኑስ መላእ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ንምብጻሕኩም ብሃንቀውታ ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም። . . . እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ምስ ዲሞክራሲ ትቃለስ ከምዘላ ትፈልጡ ዶ? እዚ ከመይ ትርእይዎ፡ መልእኽትኹምከ እንታይ እዩ? ከምኡ’ውን ኢንዶነዥያ ከም ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ማዕድን ዘውጽኣ ኢንዱስትሪታት ንምልከ ውሁዳን ጥራይ ክጠቕማ ይረኣዩ፡ ከባብያውን ደቀባትን ግን ዝኾነ ረብሓ ኣይረኽቡን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓሳብኩም እንታይ እዩ፡ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
እዚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ልሙድ ጸገም እዩ። ስለዚ’ዩ ድማ ከምቲ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጽላታት ሕብረተሰብ ርክብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ዝኸውን። ኢንዶነዥያ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር እያ ኢልካ፡ ምናልባት ልምዓት ዘድልዮ ሓደ መዳይ ድማ እቲ ማሕበራዊ ዝምድና እዩ። ምብጻሐይ ደስ ኢሉኒ፤ . . .
ማቴዮ ብሩኒ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ፣ ካብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝመጹ ፕረስ ንጉዕዞኹም ብቐረባ ተኸታቲሎምዎ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብታ ነፋሪት ጋዜጠይና ክሰዱ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ቫኒሞ ብውልቅኹም ክትበጽሕዎ ዝደረኸኩም እንታይ እዩ?
እታ ሃገር ፈቲየያ . . . ፡ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር ድማ ርእየ። ናብ ቫኒሞ ክኸይድ ምስ ሓደ ካብ ኣርጀንቲና ዝመጹ ኣብኡ ዝገልግሉ ካህናትን መነኮሳትን ክራኸብን፣ . . . ኣብ ኩለን ሃገራት ስነ - ጥበብ ኣዝዩ ዝማዕበለ እዩ: . . . ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒን ኣብ ቫኒሞን ዝነበረ ስነ - ጥበባዊ መግለጺ ዘደንቕን ዝድነቕን እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ መሲጡኒ። እቶም ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣገልግሎቶም ናብ ዓሚቝ ዱር ይኸዱ። ቫኒሞን ብሓፈሻ ፈቲየያ።
ስቴፋንያ ፋላስካ (ቲያኖውዚኩ)
. . . ካብታ ብብዝሒ መበቆል ቻይና ዘለዎም ዜጋታት ዝበዝሑላ ሲንጋፖር መጺእና ኣለና፡ ኣብነት ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት እያ። ሰላም ብዝምልከት፡ ብፍላይ ሲንጋፖር ምስ መሬት ቻይና ዘለዋ ቅርበት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቻይና ኣብ ከም በዓል ቓዛ ዝኣመሰላ ጎንጺ ዘለወን ዞባታት ተኹሲ ደው ንምባል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ሓሳብኩም ክፈልጥ እደሊ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ምፍልላይ ፍልስጤም ደው ንምባል ኣዋጅ ቤጂንግ ተፈሪሙ። ኣብ መንጎ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ሰላም ኣብ ዝምልከት ናይ ምትሕብባር መዳያት ክህሉ ይኽእል ድዩ? ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መንጎ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ብዛዕባ ምሻም ጳጳሳት ዝተገብረ ስምምዕ ናብ ዝሕደሰሉ እዋን ቀሪብና ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ ውጽኢትን ዘተን ዕጉባት ዲኹም?
ብዛዕባ’ታ ናይ መወዳእታ ነጥቢ፡ እወ፡ ምስ ቻይና ብዝተገብረ ዘተ ሕጉስ’የ። ውጽኢቱ ድማ ጽቡቕ እዩ። ንሽመት ጳጳሳት ዝምልከት ጉዳይ እውን እንተኾነ ነገራት ብሰናይ ድሌት ይሰጉሙ ኣሎ። ንናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣዘራሪበ እየ። ነገራት ከመይ ይኸዱ ከምዘለዉ እውን ሕጉስ’የ። እንተ ቻይና ከም ኣስተንፍሶ እየ ዝሪኣ፣ ማለት ቻይና ክበጽሕ ደስ ይብለኒ። ዓባይ ሃገር’ያ፡ ንቻይና’ውን የድንቕን የኽብርን’የ።
ጥንታዊ ባህሊ ዘለዋ ሃገር’ያ፣ ነንሕድሕድካ ናይ ምርድዳእ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር’ያ፣ ኪኖ’ቲ ዝነበሮ ዝተፈላለየ ስርዓታት መንግስቲ ዝኸይድ። ቻይና ንቤተ ክርስቲያን መብጽዓን ተስፋን ምዃና እኣምን። ምትሕብባር ይከኣል እዩ፣ ብርግጽ ድማ ንግርጭታት። ካርዲናል ዙፒ ኣብዚ መዳይ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ምስ ቻይና ድማ ርክብ ኣለዎም።
ኣና ማትራንጋ (ሲቢኤስ ኒውስ)
ቅዱስነትኩም ወትሩ ክብሪ ሕይወት ምክልኻል ከም ዘድሊ ትዛረቡ ኢኹም። ኣብታ ልዑል መጠን ወሊድ ዘለዋ ቲሞር - ለስተ፡ ዝፈጠረልኩም ውዕዉዕን ህያውን ሓሴት ድማ ገሊጽኩም። ኣብ ሲንጋፖር ምእንቲ ንስደተይናታት ሰራሕተይናታት ተዛሪብኩም። ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ንሓደ ጥንሲ ምንጻል ዝድግፍ ሕጹይን ካልእ 11 ሚልዮን ስደተይናታት ክጥረዝ ዝደልን ኮታ ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆ ዝገጥሞ ንዘሎ ካቶሊካዊ መራጺ ህዝቢ እንታይ ምኽሪ ምሃብኩም?
ክልቲኦም ጉዳያት ኣንጻር ህይወት እያቶም: ንስደተይናታት ዝነጽግን እቲ ንህጻናት ዝቐትልን። ክልቲኦም ኣንጻር ህይወት እዮም። ኣነ ክውስን ኣይክእልን’የ፤ ኣነ ኣመሪካዊ ኣይኮንኩን . . . ስደተይናታት ኣጋይሽ ሰራሕተይናታትን ምንጻግን ዓቕሚ ምኽላእ ሓጢኣት እዩ፣ ከቢድ ሓጢኣት እዩ። ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ዘኽታምን መበለትን ጓና - ስደተይናታትን ብተደጋጋሚ ይዛረብ። እስራኤል ክትከናኸኖ ዘለዋ ሰለስተ ነገራት! ንሱ ድማ ስደተይናታት ምሕብሓብ ዘይምኽኣል ሓጢኣት እዩ፣ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሰብኣውነትን እዩ።
ኣብ ዶብ፡ ኣብ ጥቓ ሃገረ ስብከት ኤል ፓሶ ቅዳሴ ኣዕሪገ። ካብ ስደተይናታት ዝመጹ ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ መገዲ ዝተረፉ ማእለያ ዘይብሉ ኣሳእን ነይሩ . . . ሎሚ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ኣመሪካ ዋሕዚ ስደት ኣሎ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ሰባት ነቲ ኩነታት ስለ ዝጥቀሙሉ ከም ጊልያዎት ይሕሰቡ። ስደት መሰል እዩ፣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብ ብሉይ ኪዳንን ድሮ እውን ነይሩ እዩ። ንመጻእተይናን ዘኽታምን መበለትን ኣይትረስዕዎ።
ድሕሪኡ፡ ምንጻል ጥንሲ። ስነ ፍልጠት ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ጽንሲ ኣብ ሓደ ወርሒ፡ ኩሎም ኣካላት ወዲ ሰብ ቅርጹ ይሕዙ። ምንጻል ጥንሲ ንሰብ ምቕታል እዩ። እታ ቃል ፈቲኻ ጸሊእካ ቅትለት’ያ። ቤተ ክርስቲያን ምንጻል ጥንሲ ስለ ትኽልክል ዕጹው ኣተሓሳስባ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን፤ ቤተ ክርስቲያን ምንጻል ጥንሲ ትኽልክል ምኽንያቱ ቅትለት ስለ ዝኾነ። ቅትለት እዩ፤ ቅትለት እዩ!
ብዛዕባ እዚ ድማ ንጹርን ግልጽን ምዃን የድሊ፡ ስደተይናታት ምስጓግ፡ ክዓብዩ ዘይምፍቃድ፡ ህይወት ክህልዎም ዘይምፍቃድ ጌጋ እዩ፡ ጭካነ እዩ። ቆልዓ ካብ ማህጸን ኣደ ምንጻል ቅትለት እዩ ምኽንያቱ ህይወት ስለ ዝኾነ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ድማ ብንጹር ክንዛረብ ኣሎና። . . . ዘኽታምን ጓናን መበለትን ኣይትረስዕዎም።
ቅድስነትኩም ብናትኩም ኣረኣእያ፣ ምንጻል ጥንሲ ንዝድግፍ ሕጹይ ድምጺ ምሃብ ብግብረ ገብ ዝፍቀደሉ ኩነታት ኣሎ ድዩ?
ኣብ ፖለቲካዊ ግብረ ገብ ብሓፈሻ ድምጺ ዘይምሃብ ጽዩፍ እዩ፡ ጽቡቕ ኣይኮነን ይበሃል። ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ክመርጽ ኣለዎ። ሓደ ሰብ ድማ ነቲ ዝነኣሰ ክፋእ ክመርጽ ኣለዎ። ኣየናይ እዩ እቲ ዝነኣሰ ክፍኣት? . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ሕልናኡ ክሓስብን ክውስንን ኣለዎ።
ሚሞ ሙኦሎ (ኣቨኒረ)
ግጭት ቓዛ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘስፍሕ ሓደጋ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፍንጀራ ኣጋጢሙ፡ ገለ ሰራሕተይናታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም 18 ሰባት ተቐቲሎም። ኣብዚ ህሞት እዚ ዘለኩም ስምዒት እንታይ እዩ፡ ነቶም ተዋጋእቲ ወገናትከ እንታይ ምበልክምዎም? ቅድስቲ መንበር ሽምግልና ብምግባር ተኹሲ ደው ምባልን እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰላምን ክረጋገጽ ዘኽእል ተኽእሎ ኣሎዶ?
ቅድስቲ መንበር ትሰርሓሉ ኣላ። ሓደ ነገር ክነግረኩም፡ መዓልታዊ ናብ ቓዛ እየ ዝድውል፤ ኣብኡ ሰበኻ ኣሎ፣ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርታ ድማ 600 ሰባት - ክርስትያንን ኣስላምን - ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ይነብሩ። ዘስካሕክሕ ዛንታታት፡ ከቢድ ነገራት ይነግሩኒ።
እዚ ኲናት’ዚ ካብ መጠን ንላዕሊ ደማዊ ድዩ ኣይኮነን ክብል ኣይክእልን’የ፡ እንተኾነ ግን ሬሳታት ህጻናት ክትርእይ ክቕተሉ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ኣብ ውሽጢ ጐረባብቲ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ኣብያተ ትምህርቲ ብቦምባታት ተደብዲበን ክትሰምዕ ከለኻ፡ ዘስካሕክሕ’ዩ። ዘስካሕክሕ’ዩ፡ ዘስካሕክሕ’ዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ናይ ምክልኻል ኲናት’ዩ ዝበሃል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኲናት’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ . . . ካብ መጠን ንላዕሊ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ። እዚ ብምባለይ ይቕሬታይሓትት’ምበር ናብ ሰላም ዝወስድ ስጉምቲ ክውሰድ ኣይረኣየንን።
ንኣብነት ኣብ ቨሮና ኣዝዩ ጽቡቕ ተመክሮ ኣሕሊፈ። ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ብቦምባ ዝተሞተቶ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ቓዛ ዝመጸ ሰብኣይ፡ ጓሉ ዝሞተቶ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ሰላም ተዛሪቦም፡ ተሓቛቚፎም፡ ናይ ሕውነት ምስክርነት ድማ ኣቕሪቦም። . . . ሕውነት ካብ ንሓድሕድካ ምቅትታል ይዓቢ። ሕውነት፡ ኢድ ኒኢድ ሰላም ምብህሃል! ኣብ መወዳእታ . . . ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ፣ ኩሉ ግዜ፣ ብዘይ ኣፈላላይ። ነዚ ድማ ክንርስዖ የብልናን። ነዚ እዩ ድማ ኩሉ ንሰላም ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ዝኸውን። እዚ ቁሩብ ኣብ ፖለቲካ ምእታው ከምስል ይኽእል ይኹን እምበር: ንንጉስ ዮርዳኖስ ኣዝየ ዘመስግኖም። ናይ ሰላም ሰብ . . . ተባዕን ንፉዕን ሰብ እዮም።
ሊዛ ዋይስ (ኤ.ኣር.ዲ.)
ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መገሻ እዚ ብዛዕባ ጽባቐታት እተን ዝበጻሕኩመን ሃገርት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣብተን ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዘሎ ጸገማት ብግልጺ ተዛሪብኩም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ሲንጋፖር ክሳብ ሕጂ ፍርዲ ሞት እተተግብር ሃገር እያ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብግልጺ ስለምታይ ገለ ነገር ዘይበልኩም?
ሓቂ እዩ፤ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮይ ኣይመጻንን። ናይ ሞት ፍርዲ ኣይሰርሕን እዩ። ከነወግዶ ኣለና፣ ቀስ ብቐስ። ብዙሓት ሃገራት ሕጊ ኣለወን ግን ነቲ ፍርዲ ኣይፍጽማኦን እየን። ኣሜሪካ እውን ከምኡ . . . ናይ ሞት ፍርዲ ደው ክብል ኣለዎ። ቅኑዕ ኣይኮነን፤ ቅኑዕ ኣይኮነን።
ሲሞን ለፕላትረ (ለ ሞንደ)
ቅዱስነትኩም ብቐዳምነት ስለ እቲ መሳጢ ጉዕዞኹም የቐንየልና። ኣብ ቲሞር - ለስተ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾኑ መንእሰያት ጠቒኩም። ንጳጳስ ቤሎ ተወላዲ ቲሞር - ለስተን ከምኡ እውን ኣብ ፈረንሳ፡ ምስቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝያዳ ፍቱው ስብእና ዝነበሮም መስራቲ ማሕበረስብ ኤማውስ ኣበ ፒየር ተመሳሳሊ ክንሓስብ ገይሩና እዩ። ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት፡ መንፈሳዊ መስህቦም ነቲ ክስታት ንምእማን ዝያዳ ኣጸጋሚ ገይርዎ። . . . ቫቲካን ብዛዕባ ኣበ ፒየር እንታይ ትፈልጥ ነይራ? ነቲ ክሳብ ክንድዚ ጽቡቕ ዝገበረ ሰብ እውን ገበን ክፍጽም ይኽእል ነይሩ ኢልካ ንምእማን ዘጸግሞም ግዳያትን ሓፈሻዊ ህዝብንከ እንታይ ክትብሉ ትኽእሉ? ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፈረንሳ ክንዛረብ ከለና፡ . . . ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንመመረቕታ ኖትረ - ም ኣብ ፓሪስ ክትርከቡ ዲኹም?
ካብ ናይ መወዳእታ ሕቶኻ ክጅምር ናብ ፓሪስ ክኸይድ መደብ የብለይን!
ኣብ ቀዳማይ ሕቶኻ ኣዝዩ መሪርን ስንኩፍን ነጥቢ ተንኪፍካ ኣለኻ። እዚኦም ሰናይን ጽቡቕን ዝገበሩ ሰባት፡ ከም ኣባ ፒየር። ምስ’ዚ ኩሉ ጽቡቕ ዝተገብረ፡ ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ከቢድ ሓጥእ ፈጺሞም እዮም፡ እዚ ሰብኣዊ ኩነታትና እዩ።
ምእንቲ ኸይርአ ንሸፍኖ ኽንብል የብልናን። . . . ኪዅነን ኣለዎ። ንኣብነት ኣባ ፒየር ብዙሕ ሰናይ ዝገበረ ግናኸ ሓጥእ ሰብ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ብንጹር ክንዛረብ ደኣ እምበር ክንሓብኦ የብልናን። ምስ ዓመጽ እነካይዶ ቃልሲ ክቕጽልን ናይ ኩላትናን ክኸውን ኣለዎ። ንጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ዓይነት ማህሰይትን ዓመጽን ማለት ማሕበራዊ ዓመጽ ትምህርታዊ ዓመጽ ንኣእምሮ ሰባት ምቍጽጻርን ናጽነቶም ንምውጋድ ዝፍጸም ዓመጽ ኩሉ።
ብናተይ ኣረኣእያ ግህሰት - ዓመጽ ስይጣናዊ ተግባር እዩ፡ ምኽንያቱ ክብሪ ሰብ ስለ ዘጥፍእ። ኩሉ ዓይነት ግህሰትን ዓመጽን መንነትና ከጥፍእ ይፍትን: ምስልን ኣርኣያን ኣምላኽ ዝኾነ መንነትና። ሰባት ዝግህሱ ክቃልዑ እንከለዉ እሕጎስ ግህሰት ፍጺሙ እንተዘይህሉን እንተዝጠፍእን ክንደይ ሰናይ ምኾነ። ዓመጽ . . . ክቃላዕ ዘለዎን ክሕባእ ዘይብሉ ገበን እዩ!
ቅድሚ ሕጂ ዝጠቐስክዎ ክኸውን ዝኽእል ነገር ክነግረኩም እየ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኣበ መናብርት ጉባኤታት ኤጲስቆጶሳት ዓለም ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ዓይነታት ግህሰትን ዘማእከለ ኣኼባ ኣካይድና ነይርና። ካብ ሕብቡራት ሃገራት ይመስለኒ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ዝዛረብ ጸብጻብ ነይሩ፡ ካብ ጠቕላላ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ እቲ 42 - 46% ዝሽፍን ድማ ኣብ ማእከል ስድራቤት ወይ ብጎረቤት ዝፍጸም ምዃኑ የመላኽት። . . . ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ገበንን ውርደትን እዩ።
(...) ቫቲካን ብዛዕባ ኣበ ፒየር እንታይ ትፈልጥ ነይርካ ንዝበልካዮ ሕቶ፡ ቫቲካን መዓስ ከም ዝፈለጠት ኣይፈልጥን። ኣብዚ ስለ ዘይነበርኩ ኣይፈልጥን’የ፣ ነዚ ክምርምር’ውን ኣብ ኣእምሮይ መጺኡኒ ኣይፈልጥን’ዩ፣ ብርግጽ ግን ድሕሪ ሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ቅድሚ ሕጂ ግን፣ ኣይፈልጥን ነይረ።
ኤልሳቤጥ ፒኬ (ላ ናሲዮን)
ብመጀመርታ ስለ እዚ ጽቡቕ ጉዕዞ ናብ ጫፋትን ወሰናስን ምድሪ የቐንየልና። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝገበርኩምዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ድማ ዝነወሐ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ነዊሕ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክንዛረብ እንኮለና ብዙሓት መሳርሕተይ ከም ዝሓትዎ ድማ ናብ ኣርጀንቲና ንኸይድ ንኸውን ይብሉ . . እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ንሳ እያ፡ ናብ ኣርጀንቲና ክትኸዱ መደብ ኣለኩምዶ? ካልኣይ ሕቶ፡ ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ኵነታት ከቢድ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ እትገሽሉ እዋን እቲ ተመሪጹ ዝበሃል ርእሰ ብሔር ኣብ ስፓይና ናብ ስደት ክኸይድ ነይርዎ። ንህዝቢ ቬንዙዌላ እንታይ መልእኽቲ ምሃብኩም?
ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ኩነታት ኣይተኸታተልኩዎን፣ ንመራሕቲ ወትሩ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ግን ኣብ ዘተ ምጽማድን ሰላም ምድላይን ዝብል እዩ። ምልካዊ ስርዓታት ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን፡ ይንዋሕ ይሕጸር ኩሉ ግዜ ብሕማቕ ይውዳእ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣንብቡ . . . መንግስትን ህዝብን ኣብ ቬንዙዌላ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ንምርካብ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ኣለዎም ምበልኩ። ዝርዝሩ ስለ ዘይፈልጥ ግን ፖለቲካዊ ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን’የ። ጳጳሳት ቨነዝወላ ከም ዝተዛረቡ እፈልጥ እየ፣ መልእኽቶም ድማ ጽቡቕ እዩ። እንተ ናብ ኣርጀንቲና ምኻድ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተወሰነን። ክኸይድ ደስ ይብለኒ፤ ሃገረይ እያ። ክኸይድ ደስ ይብለኒ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተወሰነ ነገር የለን። መጀመርያ ክፍታሕ ዘለዎም ሓያሎ ነገራት ኣለዉ።
እንተኸድኩም ኣብ ደሴታት ካናሪ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል ድዩ?
ኣእምሮይ ኣንቢብካዮ ኣለኻ ሓቀይ? ናብ ደሴታት ካናሪ ክኸይድ’የ ዝሓስብ ዘለኹ፣ ምኽንያቱ ብባሕሪ ዝመጹ ስደተይናታት ዝረኣዩሉ ኩነታት ስለዘሎ፣ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ መራሕትን ህዝብን ክራኸብ ደስ ይብለኒ።
ጆሲ ቦኒፋስዮስ ሱሲሎ (ኮምፓስ ኣይዲ)
ቅዱስነትኩም የቐንየልና። ገለ ሃገራት ብቑጠባዊ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኮቪድ - 19 ንውዕል ፓሪስ ካብ ዝኣተወኦ መብጽዓ ክርሕቓ ወይ ከንሳሕባ ጀሚረን ኣለዋ። ሓያሎ ሃገራት ናብ ሓምላዋይ ጸዓት ንምስግጋርን ካብ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ንምርሓቕን ድሕርሕር ይብላ ኣለዋ። ብዛዕባ እዞም ጉዳያት እንታይ ትብሉ?
ጉዳይ ከባቢ ኣየር ዕቱብን፡ ኣዝዩ ከቢድን ይመስለኒ። ካብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ስምምዕ ፓሪስ 2015 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዘረባታትን መብጽዓታትን ኣሎ፡ እቲ ስጉምቲ ግን ውሑድ’ዩ። ናተይ ጦብላሕታ ከምኡ’ዩ። ነዚ ድማ ኣብ ክልተ ስቡሕ ኣንተ ከምኡ እውን እብታ ስብሕዎ ለእግዚኣብሔር ዘርእስተን ዓዋዲያን መልእኽትታተይ ጠቒሰዮ ኣለኹ።
እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙን ኣስዒቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ንቕዱስነቶም ነመስግን ከም ዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።