ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ይብሉ  ር.ሊ.ጳ. ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ይብሉ  

ር.ሊ.ጳ. ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ይብሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ እቲ ናብ ሉሰምበርግን በልጅዩምን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከምቲ ቅድሚ ምንቃልን ምምላስን ካብ ነፍሲ ወክፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ዝገብርዎ ዕለት 25 መስከረም ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ፊት ጥንታዊ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተረኺቦም ናማላድነታን ሓላዋኣን ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንሓለዋ ኣዴና ቅድስተ ማርያም ንኸረክቡ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተረኺቦም ጸሎት ከም ዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር፡  

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ፒየትሮ ፓሮሊን ንዜና ቫቲካን ከም ዝገለጽዎ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣርሒቕካ ምርኣይ ምትሕግጋዝን ንመጻኢ ሓንጎፋይ ምባልን ክህሉ ከተባብዑ እዮም፡ ሓደ ምኽንያት ናይቲ ዑደቶም ድማ ዝኽሪ መበል 600 ዓመት ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉቨን፡ ኣብ ቤልጅየም ንምጽንባል ምዃኑ ሓቢሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕብረት ኤውሮጳ ናብቲ ዘቖሞ ኣብ ክርስትና ዝጸንዐ መሰረታዊ ክብርታቱ ክምለስ ጻውዒት ከቕርቡ እውን እዮም ኢሎም።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዩክሬን ሓዊሱ ብዙሕ ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ሕሉፍን መጻእን ዘሎ ምትእስሳር ንምምችቻእ ክትሕግዝ ተስፋ ከምዘለዋ ኣመላኺቶም፥ "ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ዝስማዕን ስልጣን ዘለዎን ድምጺ ምዃኑ እንተሓሲቡን፡ ኣድካሚ ዝኾነ ምዕጻው ክሰግር እንተኾይኑን፡ ኤውሮጳ ዕብየት ናይቶም ዘነቓቕሑዋ ክብርታት ዳግማይ ክትረኽቦ ኣለዋ" ምስ በሉ፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ዝገብርዎ ዑደት፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ግደ ብዕምቆት ክስትውዓል ዝገብር ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፍትን ኵሉ ሰብ ንኣካይዳኡ ምስ ዕድመ ወንጌል ንኼነጻጽሮ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ከም ዝኸውን ድማ ርግጸይና እየ” እንክብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዘዝሙ

26 September 2024, 16:41