ር.ሊ.ጳ. ንደቂ ቲሞር፡ ክንከናኸንን ክንሕብሕብን ስለ ዝመሃርኩምና የቐንየልና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስንኩላን ህጻናት በጺሖም ንሰራሕተይናታት ንዝገበርዎ ክንክን እቶም ህጻናት ድማ ንዝቐርበሎም ክንክን ፍቓደይናታት ኮይኖም ብምርኻቦምን የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢርማስ ኣልማ ምስ በጽሑ፡ ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ጕጅለ ቈልዑ፡ ብመዘምራን ኣባላት ደናግል ደቂ ቪንሰንት ደ ፓውሊ ምዉቕ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብትዕግስቲ ዝጽበዩ ህጻናት

እናቴ  ጌትሩዲስ ቢዲ ሓላፊት ናይተን ማሕበር ደናግል ኣብ ቲሞር ለስተ ሓለቓ ንር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስንኩላንን ጉድለታትን ዘለዎም ህጻናት ኣብ ምሕብሓብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ከም ዝሓበራን፡ "ብኣምላኽ ዝተዋህቡና ሕድሪ እያቶም” እንክብላ ነቶም ኣካለ ስንኩላንን ጉድለታት ዘለዎም ሕጻናት ከም ዝገለጸኦም ኣመላኺቱ፥

ቃል ቅዱስነቶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘስምዕዎ ሕጺር መደረ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክዛረቡ እንከለዉ፣ ኢየሱስ ንሰባት "ሰዓቡኒ" ቢሉ ክዕድም ከሎ፣ ስለ ዝተጠመቑ ወይ መሮን ስለ ዝተቐብኡ፣ ወይ ፍጹማን ስለዝነበሩ ዘይኮነስ "ንስኻትኩም ስለዝሓለኹምኒ (ስለ ዝተኸናኸንኩምኒ እዩ)" - ስለ ዝሓለይሉ እዩ ዝጸወዖም”

ኢየሱስ ንሰባት ክስዕብዎ ይጽውዖም ምኽንያቱ ንኻልኦት ሓልዮትን ርህራሄን ስለ ዘርኣዩ እዩ!”

ነዚ "ምስጢረ ድኻታት" እንክብሉ ድማ ብምግላጽ፡ "ዘንቀሳቕስን ዝሃንጽን ዘደልድልን" ፍቕሪ ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፥ እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢርማስ ኣልማ ብንጹር ከምዘሎን፡ ብዘይ እዚ ፍቕሪ እዚ ድማ ስራሕ ናይታ ቤት ትምህርቲ ከምዘይከኣል ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ ስለዚ ድማ ምስጋኦም ብምቕራብ፥ "ብዛዕባ ኩሉ ኣገልግሎትኩምን ኣገልግሎትክንን ከመስግን እደሊ፡ ነቶም ቆልዑ'ውን ከመስግኖም እደሊ - ነዞም ምስክርነት ዝህቡን ክሕብሐቡ ዝፈቕዱን ኣወዳትን ኣዋልድን። እግዚኣብሔር ንኽከናኸነና ፍቓደይናታት ኣብ ምዃን ይምህሩና’ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

የቐንየልና ሲልቫኖ

ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቓልቦኦም ናብ ሓደ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩን ክንክን ካብ ዝገበረሎም ሲልቫኖ ዝተባህለ ቆልዓ ኣቕኒዖም፥ ሲልቫኖ ናብኦም ክመጽእ ሓቲቶም፡ ኢድ ሒዞም ድማ እተን ኣሓት ክኣልየኦ ስለ ዝፈቐደ ብምምስጋን፥ "ሲልቫኖ ከምቲ ንርእሱ ክሕብሐብ ዝፈቅድ፡ ንሕና'ውን ክንሕብሐብ ምፍቃድ ክንመሃር ኣለና" ቢሎም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምዝካር፡ ምስቶም ተመሃሮ ህጻናት ሰላምታ ቅድሚ ምልውዋጦም፡ ጽላት ከም ዝኸተሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

10 September 2024, 15:28