ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበርግ፡ ኣገልግሎት፡ ተልእኾን ሓጐስን ሕመረት ወንጌል እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ሉክሰምበርግ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣገዳስነት ኣገልግሎትን ተልእኾን ሓጐስን ብምጉላሕ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኣጋይሽ ክትቅበል ናብ ዝብል ንኻልኦት ንክትራኸብ ኣብ ዝድርኽ ተልእኾ ወንጌል ክትዋፈርን ወንጌል ብልባዊ ሓሴት ክትነብሮን ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮ ኣብ ሉሰምበር ካቴድራል ኖትረ ዳም ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰባት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥  እቲ ፍጻመ ምስ ማርያማዊ ኢዮቤል ዝተጋጠመ ድማ ብምዃኑ እዚ ድማ ንኣርባዕተ ዘመናት ንማርያም መጸናንዒት ሕዙናት ተወፋይነት እታ ሃገር ዘኽብር እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ሉክሰምበርግ ካቴድራል ኖትረዳም ንዝተኣከቡ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ኣርእስታት ማለት ኣገልግሎት፡ ተልእኾን ሓጐስን ኣተኲይሮም፥

ከተገልግል ዝተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን

በታ ቀዳመይቲ “ኣገልግሉ” እትብል ቃል መደረኦም ኣበጊሶም ምግልጋል "ኣብ ሕመረት ወንጌል" ዝኾነ ተግባር ምዃኑ ኣመልኪቶም። ህጹጽ ምቕባል ኣጋይሽ፡ ናይ ምጽዋትን ግብረ ሰናይን ጉዳይ ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ፡ “ናይ ፍትሒ ተግባር እዩ” ቢሎም፥ ምእመናን ኣብዚ ተግባር’ዚ ክጸንዑ ተማሕጺኖም ንኹሉ ክፉት ምዃንን ምቕባልን፤ ዝኾነ ዓይነት ምግላል ዘይጻወር ተወፋይነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለማዊ ሕብረተሰብ

ኣስዒቦም ተልእኾ እትብል ቃል መሰረት ገይሮም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ወይ ዘግልል ባህሊ ኣብ ዝዕብለል ዘሎ ሕብረተሰብ ዘለዋ ተልእኾ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ክብርታታ ከየጥፈአት ነዚ ፍልቀት ክትቅበሎ ከምዘለዋ ኣስሚሮም፡ ንካቶሊካውያን ሉክሰምበርግ፡ ኣብ ክንድኡ “ንጡፍ” ክኾኑ፡ ኩሉ ግዜ ንናይ እዋንና ንብድሆታት ምላሽ ክህቡ ምዒዶም፡ “ብሓዘን፡ ኢድካ ብምሃብ፡ ወይ ብቂምታ ንነብስና ክንዓጽዋ ኣይንኽእልን ኢና” እዚ ድማ “ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን” ብምዃና ዝፍጸም እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፥  ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንማሕበረሰባዊ ሕይወት ንምድልዳል መልእኽቲ ወንጌል ንምስፋሕን ዝሕግዝ ሲኖዳዊ መንፈስ ክህሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ወንጌል ሓሴት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝዳህሰስዎ ሳልሳይ ኣርእስቲ ድማ ሓጐስ ዝብል ኮይኑ፡ ሓሴት/ሓጎስ “ዘይነጻጸል ኣካል እምነት ክርስትና” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘሕጉስ ተመክሮ ዘካፈለ መንእሰይ ዲየጎ ዝሃቦ ምስክርነት ዘኪሮም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዲዮጎ ሓግስ ትእምርቲ መልእኽቲ ወንጌል ምዃኑ ገሊጾም። "እምነትና ብሓጎስ ዝተመልአ እዩ፡ 'ሓሴት' እዩ፡ ምኽንያቱ ደቂ ሓደ ፈታዊና ​​ዝኾነ ኣምላኽ ምዃንና ስለ እንፈልጥ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱሰንቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሉክሰምበርግ ዝተኻየደ ፍሉይ ናይ ጽድያ መንፈሳዊ ዑደት ድማ ዘኪሮም፥ እዚ ምእመናን ብመንፈሳዊ ንግደት ተዓጂቦም ቅዱስ ዊሊብሮድ ኣናዘከሩ ብሸብሸቦ ዝገልጽዎ እምነት ኩሎም ብሓደ ዝፍጽምዎ ድማ ብምዃኑ “ዓቢ ውሁድ ሸብሸቦ” ኮይኑ በዚ ኣገባብ እዚ ድማ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብሓሴት ይምስክርዎ ምስ በሉ፡ እቲ ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ተልእኾ "ሰናይ" ምዃኑ ድማ ንኹሎም ኣዘኻኺሮም፥ “ኣብነት ማርያም ብምስዓብን ብሓገዛ ነጸናንዕን ነገልግልን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ የመላኽት።

27 September 2024, 11:36