ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃካርታ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ህይወት ጎብለላት ፍቕሪ ኢኹም!

ቅዱስነቶምነቶም በቲ ማሕበር ረድኤት ንዝእለዩን ንዘገልግሉን ሰላምታ ኣቕሪቦም ነቲ ካብቶም ዝሕገዙን ኣብቲ ማሕበር ንዘገልግሉን ቃል ምስክርነት ዘስምዑ ኩሎም፥ “ጎብለል ፍቕሪ ኣብ ዓቢ ኦሎምፒክ ህይወት" ኢኻትኩም እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ኣብ ዝርከብ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋኦ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረዴት ጨንፈር ጃካርታ ብምኻድ ምስቶም በቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ምስ ዝእለዩን ምስ ዘገልግሉን ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዢያ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ሱብያንቶ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ሰላምታ ከም ዘስምዑን ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ኣካለ ስንኩላን ድኻታትን ዝወከሉ ጓል 17 ዓመት ሚሚ ዝስማ ካቶሊካዊት መንእሰይን ኤንድሪው ዝስሙ ኣካለ ስንኩል መንእሰይ ስፖርተይና ታሪኽ ህይወቶም ከም ዘካፈሉን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ የቐንየለይ እንክብሉ ኣመስጊኖም፥ ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ መበል 100 ዓመት የብዕል ከም ዘሎ ብምዝካር፥ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ሓደ ካብቶም ድሙቓት ከዋኽብቲ" እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፥ ንሚሚ "ንብዙሕነት ዓለምና ዘሀብትም" ፍሉይነት ክእለት ደቂ ሰባት ስለ ዘጉልሐትን ብዛዕባ ኢየሱስ "መብራህቲ ተስፋና" ብምባል ዝገለጸቶ ሓሳብ ብምዝካር ድማ ኣመስጊኖም፡ ቀጺሎም “ኤንድሪው ኣብ ዓለም ለኸ ናይ ኣካለ ስንኩላን ኦሎምፒክ ጸዋታ ብምስታፍካ እንቋዕ ሓጎሰካ” ምስ በሉ፥ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ በቲ ማሕበር ካሪታስ ንዝለዩን ኣብኡ ንዘገልግሉን ኩሎም፥ "ኣብቲ ዓቢ ናይ ሕይወት ኦሎምፒክ ጎብለላት ፍቕሪ ኢኹም" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ጎይታ ንኹላትና የፍቅረና እዩ" ንዝኾነ ሰብ ፈጺሙ ከምዘይርስዖ” ኣዘኻኺሮም፡ በዚ መንፈስ እዚ ነተን መበል 87 ዓመት ልደታ ንዘብዓላ ብዝሓደረን ሕማም ምኽንያት ኣብቲ መደብ ክሳተፋ ዘይከኣላ . . . ሰናይ ምንዮተይ አመሓላልፍ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 September 2024, 14:47