ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 መስከረም ንወግዓዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ከም ዝኣተዉን፥ እዚ ድማ ካልኣይ እግሪ ናይቲ ናይ መበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ወጻኢ ሃገራት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ፖርት ሞረስቢ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢንዶነዥያ ዓርቢ ዕለት 6 መስከረም ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 19፡10 ነቒሎም ካልኣይ እግሪ ናይ መበል 45 ሃዋርያዊ ጉዕዞ ወጻኢ ሃገራት ይጅምሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ነጋድያንን ናብ ፖርት ሞርስቢ

ህዝቢ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንር.ሊ.ጳ. ንኽቕበል ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ዝያዳ ርሑቕ ከባቢታት ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ንኽሳተፉ ብእግሮም ዝተጓዕዙ ኣብ ዝሓልፍሉ መገዲ ከም እተረኸበን እቲ ትጽቢት ዘሕደረሎም ሓጎስን ኣብ ገጾምን መዛሙሮምን ግሁድ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት እንታይ ክንጽበ ኣለና

ብሓቂ ንፓፑዋ ኒው ጊኒ ቅዱስነቶም ዘለዎም መደባት ኣገዳሲ ፍጻመታት ዝመልኦ ኮይኑ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ምምሕዳራት ከባቢን ኣብታ ሃገር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ዘካይድዎ ከምኡ’ውን ምስ ግዳም ሓደር ህጻናትን ስንኩላንን ዘካይድዎ ርክብ ዝጥቀስ ኮይኑ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ክርስትያን እውን ዑደት ከካይዱን ኣብኡ ድማ ምስ ጳጳሳት ፓፑዋ ኒው ጊኒን ደሴታት ሰሎሞንን ከምኡ’ውን ምስ ካህናትን፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ክራኸቡ እዮም።

ሰንበት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዙሕ ምድላዋት ኣብዝተገብረሉ ጆን ጓይዝ ኣብ እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ብብዙሕ ኣሽሓት ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ኣብታ ዕለት እቲኣ ሰንበት ብነፋሪት ናብ ቫኒሞ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ክኸዱን ኣብኡ ድማ ምስ ምእመናንን ጉጅለ ልኡካነ ወንጌልን ክራኸቡን ንምሕዳሮም ናብ ፖርት ሞርስቢ ክምለሱን እዚ ካልኣይ መድረኽ ናይ መበል 45 ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ወጻኢ ሃገራት ዕለት 9 መስከረም ንጉሆ ምስ መንእሰያት ብምርኻብ ክዛዝምዎ እዮም።

ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክትብጻሕ ኣስታት 30 ዓመት ተቝጽር

ሓደ ር.ሊ.ጳጳስ ናብዛ ደሴታዊት ሃገር ዝተጓዕዘሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብ 1995 ዓ.ም. እዩ ነይሩ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፒተር ቶ ሮት ዝተባህለ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሰማእትነት ዝተሰውአ ፓፑዋዊ ዓለማዊ ምእመን መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ብጽዕና ንምዋጅ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምቲ ናይ ጳጳሳዊ ምብጻሕ ዝከታተል ጉዳያት መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝሓበሮ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዛ ሃገር ኣብ ወሰናስን ምህላዎም ንኣመንቲ ዓቢ ምንጪ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ እዚ ስምዒት እዚ ብብዙሓት ካብቶም ኣብዘን መዓልታት ዝረኸብናዮም ፓፑዋውያን ካቶሊካውያን ዘቃልሕ እዩ።

06 September 2024, 16:02