ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደቂ ፓፑዋ፡ ብርሃን ፍቕሪ ኣጎሃህሩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምኡ ስለ ዝፈጠሮ እንክብሉ የስተብሂሎም፥ ብኣምላኽ ዝተፈቐርናን ዝተፈጠርናን ኢና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፖርት ሞርስቢ ኣብ ዝርከብ ተግባረ እድ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንድኻታትን ኣካለ ስንኩላንን ምብጻሕ ዘካየዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ንኣስታት 800 ህጻናት ድኻታት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩን ኣካለ ስንኩላንን ኣብ ጎደናታት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንዘካይዱን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ኣብ ጎደናታት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣገልግሎት ንኣካለ ስንኩላንን  

ብኣሓት ማሕበር ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝመሓደር ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ሓዋርያዊ ኖልዎ ኣገልግሎትን ኣብ ጎደናታት፡ ካብ 7 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ድኻታት ህጻናት ብምሕብሓብ፡ ኣገደስቲ ድሌታትን ሙያዊ ሕንጸት ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ . . . እዚ ኣገሎት እዚ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝዓበየ ንህጻናትን ዓበይትን ስንኩላን ኣገልግሎት ዝህብ ትካል እዩ። ኣብታ ሃገር ንኹሎም ስንኩላን ኣብ ዘጠቓለለ ትምህርትን ስልጠናን ብምትኳር ከም መሪሕ ተጣባቒ መሰላትን ውክልናን ስንኩላን ኮይኑ ድማ የገልግል።

ክልተ ከበድቲ ሕቶታት

እቲ ቀዳማይ በቲ ቤት ትምህርቲ ዝሕገዝ ብቋንቋ ምልክት እናተዛረበ ንር.ሊ.ጳ. "ስለምንታይ ከም ካልኦት ክኸውን ዘይከኣልኩ? እቲ ካልኣይ ድማ "ከመይ ገርና ዓለምና ጽብቕቲ ቦታን ንዓና ጠቓሚት ክንገብራ ንኽእል?" እንክብሉ ድሕሪ ዘቕረበሎም ሕቶ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

"ንምንታይ ከምቶም ካልኦት ዘይኮንኩ" ዝብል ሕቶ ንዘቕረበሎም ኣመስጊኖም፥ "ካባና ሓደ እኳ ከምቶም ካልኦት ኣይኮነን: ኩላትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍሉያት ኢና!" ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ ተራን ተልእኾን ኣለዎ፡ እዚ ድማ ንኽልቲኡ ብድሆታትን ዓሚቝ ሓጐስን ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣስሚሮም፡ ኩሎም ኣብቲ ዝህብዎን ዝቕበልዎን ፍቕሪ ከድህቡ ኣተባቢዖም፡ "ሓጎስና ኣብ ካልእ ኣይምርኮስን:  እንታይ ደኣ ኣብ ፍቕሪ ጥራይ እዩ!" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀጺሉ ንዓለም ከመይ ጌርና ዝያዳ ጽብቕትን እተሕጉስን ንገብራ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ፍቕሪ መፍትሕ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ብተመሳሳሊ ከም ሓደ ናይ ኣሰራርሓ ትእዛዝ: ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ብምሉእ ልበይ ምፍቃር ምምሃር! ዝብል እዩ . . . " እቶም ቆልዑ ብምምሃርን ዝተመሃርዎ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ክዓብዩን ክመሓየሹን ኣተባቢዖም . . . ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ምልክት ተስፋ ንኽኸውን ንኹሉ ሰብ ዝልውጥ ‘ልሃልታ ፍቕሪ’ ምዃኑ የድሊ እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 September 2024, 15:54