ር. ሊ. ጳ. ናብ ካቶሊካውያን ምእመናን ቫኒሞ - ጽባቐ ወንጌል ክርስቶስ ብፍቕሪ ምምስካር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሓንቲ ናይ ኣውስትራልያ ሲ-130 እትበሃል ወተሃደራዊ ነፋሪት ንኽልተ ሰዓት ተጓዒዞም ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ካቶሊካውያን ምእማናን ንገለ ሒደት ሰዓታት ንምሕላፍን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ኸባቢ እትገብሮ ወንጌላዊ ተለኾ ዘለዎ ሞሳ ንምግላጽን ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ቫኒሞ በጽሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ መስቀል እተሰምየ ካቴድራል ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቫኒሞ ምስኦም ብምርኻቦም ብምምስጋን ኻብ ርሑቕ ከም እተጓዕዙ ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ንዕዮ እቶም ካብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ኣብቲ ኸባቢ ሰበኽቲ ወንጌል ዝዀኑ ልኡካን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣሕዋንት ኣሓትን ከምኡውን ንዕዮ እቶም ወንጌል ንምስባኽ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዞም ዝመጹ ዘመናውያን ንኡካነ ወንጌል ብኣድናቖት ገለጹ።
ክብርቲ እናቴ ያሻ ጆሴፍ ነቶም ኣቡ እተረኽቡ ሰባት ከም ዝመስከራኦ "ንዅሉ ሰብ ዝኸውን መሳርሒ ሰላምን ፍቕርን ንምዃን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎም ኢዩ" በላ።
'ብዛዕባ ጽባቐ ወንጌል ክርስቶስ ንምምስካር ክኢላታት'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንወንጌል ኣብቲ ኸባቢ ንምዝርጋሕ ዝገበረቶ ተልእኾ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብያተ-ትምህርቲ ሆስፒታላት ከምኡውን ማእከላት ልኡካነ ወንጌል ናብ ምምስራት ከም ዝመርሐ ገለጹ፣ እዚ ትካላት እዚ ነቶም ምእመናን "ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ኢሎም ብዅሉ ጽባቐኦም ንኽዕምብቡ" ከም ዝሕግዞም ገለጹ።
"በዚ ምስክርነት ቅዱሳን ተኸቢብኩም ስለ ዘለኹም፣ ኣብዚ ጽባቐ ዝመልኦ ተልእኾ 'ክኢላታት' ኢኹም!" በሉ ቅዱስነቶም። "ብብዙሕ ዓይነት ኣትክልትን ኣዕዋፍን ኣብ ዝመልአት እተደንቕ ምድሪ ኢኹም ውን እትነብሩ።"
ኣምላኽ ንህዝቢ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ነዚ "ጥዑም" ተፈጥሮ ዝሃቦም፣ እዚ ንጥቕሚ ዅሎም ብሕድሪ ኸም ዝሃቦም ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብ ገዛእ ርእስና ኽንጥምት ከለና ዝያዳ ባህ ዜብል ትርኢት ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና ፣ እዚ ኸኣ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከለና ኣብ ውሽጥና ዚዓቢ እዩ " በሉ ። እወ ተልእኾና ብልክዕ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምፍቃር ንጽባቐ ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ንምብጻሕን ኢዩ።"
ንክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ተጣበቑ
ነፍሲ ወከፍና "ኣብቲ እንነብረሉ ኣብ ስድራቤትና ኣብ ቤትትምህርትና ኣብ ስራሕና ልኡካነ ወንጌልን" ክንከውን ስለ እንኽእል ካቶሊካውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ርሑቕ ቦታ ኽጐዓዙ ኸም ዘየድልዮም ቅዱስ ኣቦ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንሕዝቢ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ እዚ ኸኣ "ንብሕታዊ ስድራቤት ከምኡውን ቀቢላ ካብ ልቢ ሰባት ፍርህን ማሪትን ኣስማትን ንምውጋድ ከምኡውን ንኸም ዓመጻ ጥልመት ምዝመዛ ኣልኮላዊ መስተ ከምኡውን ሓሽሽ ምውሳድ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ጠባያት ደው ንምባል ውን ኢዩ ። "
ወሲኾም ድማ እዚ ባህርያት እዚ ሓጐስ እቶም ኣብኡ ዚጽመዱ ዚሰርቕ እከይ ምዃኑ ገለጹ ።
"ፍቕሪ ኻብ ኵሉ እዚ ኸም እትብርትዕ ጽባቐኣ ኸኣ ካብ ኣምላኽ መበቈላ ስለ ዝዀነ ንዓለም ከተሕውያ ኸም እትኽእል ውን ንዘክር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ "ንሓድነት ስድራቤት ንምጥባቕ" ህይወቶም ኸም ዘወፈየ ብምግላጽ ብፁዕ ፒተር ቱ ሮት ዝሃቦ ምስክርነት ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኻብ ዘሎ መዝገብ እቲ ዝዓበየ ኣብ ልቦም ዚርከብን ኣብ ግብረ ሰናይን ፍቕርን ዚግለጽን "ጽቡቕን ዜደንቕን መዝገብ " እዩ በሉ ።
"ብፍላይ ኣቱም ቈልዑ በቲ ተመሓላላፊ ፍሽኽታኹምን በቲ ናብ ኵሉ ኣንፈት ዚዝርጋሕ ሓጐስኩምን እዚ እብለኩም ኣለኹ" በሉ። "በጻሕቲ ምሳታቶም ሒዞም ኣብ ልቦም ኪሕዝዎ ዚኽእሉ ብሉጽ ምስሊ ንስኻትኩም ኢሉም !" ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።