ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ውፉይ ህይወት: ውሑድ ተዛረቡ: ብዙሕ ስምዑ: ኣብ ልብዅም ሓዙ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ውፉይ ህይወት: ውሑድ ተዛረቡ: ብዙሕ ስምዑ: ኣብ ልብዅም ሓዙ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብ ውፉይ ህይወት: ውሑድ ተዛረቡ: ብዙሕ ስምዑ: ኣብ ልብዅም ሓዙ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበሮም ንዝሳተፉ ናይ ቅዱስ ኣልባብ ኢየሱስን ማርያምን ካህናትን ደናግልን ከምኡ እውን ማሕበር ደናግል መለኮታዊ መድሕን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውሑድ ተዛረቡ፡ ብዙሕ ስምዑ፡ ኣብ ልብኹም ድማ ሓዙ! ኣነባብራኹም ድማ ንክርስቶስ ምስዓብ ዝገልጽ ክኸውን ኣለዎ፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣልባብ ኢየሱስን ማርያምን ከምኡ’ውን ንኣሓት መለኮታዊ መድሕን ንናይ ማሕበሮም ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኻባ ንኽሳተፉ ሮማ ንዝኣተዉ ተጋባእያን ተቐቢሎም ከም ኣተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመንነትን ተልእኾን እሙን ምዃን

“ናይ ሰብ ውፉይ ህይወት ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ንሓደ ሰብኣዊ ስነ - መጐት ወይ ትካላዊ ድሌት ዝምልስ ዘይኮነስ፡ ጠለብ ናይቲ ተኸታሊ ናይ ክርስቶስ ምዃን ዝምልስ ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም፥ ብቐንዱ ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣልባብ ኢየሱስን ማርያምን ኣብነት ኢየሱስ ምኽታል "ኩሉ ግዜ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሓስቦ፡ ብኣቓልቦ ምስማዕ" "መንነትን ተልእኾን ብተኣማንነት ምንባር" ዘመልክት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንዝተሓደሰ ጽድያ

ልክዕ ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ "ድምጺ ኢየሱስ ምስማዕ ማለት፥ ኣዕሚቝካ ምስትንታንን ከምኡ'ውን "ፍቕሪ ኣምላኽ ምንባርን ምእዋጅን" እዩ: ብጭቡጥ ኣዘራርባ ድማ ብፍሉይ ብመንገዲ "ንኣዝዮም ኣብ ሕሰምን መከራን ድኽነትን ንዝርከቡ ብምግልጋልን" ከምኡ'ውን "ብጸሎት ኣብ ቅዱስ ቁርባን ይሕደስ። . . .   ንኽርስቶስ ብተኣማንነትን ብተኣዛዝነትን ብምስዓብ ጥራይ እዩ መሓውራትኩም፡ ከምኡ’ውን ምስፋሕ መንፈሳውን ታሪኻውን ውርሻታት ማሕበራትኩም ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ታሪኽ ደቂ ሰባት ናይ ማሕበራትኩም መንፈሳዊ መስህብ ዘብርህን ዝተሓደሰ ጽድያ ከስተማቕር ዝኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንክርስቶስ ምስዓብ

ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣልባብ ኢየሱስን ማርያምን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፥ "ኩሉ ግዜ ሓድሽ መልክዕ ምስክርነትን ምስ ስራሕ ኣምላኽ ምትሕብባርን ተስፋ ክረኽቡ መታን "ፍቓድ እግዚኣብሔር ብጥንቃቐ ምስማዕ . . .  ከምኡ'ውን ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ወሳኒ ስጉምትታት ምውሳድ" ከም ዘድልን፡ እዚ ድማ - ንኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣልባብ እየሱስን ማርያምን ዘስምዖ መደረ ኣብ ምዝዛሞም ኣነጺሮም - "ሓደ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅዲ ህይወት ብምግባር እዩ ዝመሓላለፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸሎት

ፍራንቸስኮ ንኣሓት ኣባላት ማሕበር መለኮታዊ መድሕን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ናይቲ ማሕበር ናይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፥ "ወንጌል ንምእዋጅን ንኹሉ ሰብ ንምንቕቓሕን፥ ብሓባር ምጉዓዝ፡ ኣብ መንጎና ዘሎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ምውዕዋዕ” ዝብል ዝኽተሎ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም፥ "ብሓባር ምጉዓዝ - ኣንጻር ብዘይምዃን - ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎና ዘሎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ንምውዕዋዕ፡ ወንጌል ንምእዋጅን ንኹሉ ሰብ ንምንቕቓሕን . . . የብቅዓና፥ ንቕድሚት ድማ ሰጉማ” እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ንመሰረት ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መስህብ፡ ኢየሱስ ኣብ እዋን ናይ መወዳእታ ድራር ናብ ኣቦ ንድሕነት ኩሉ ሰብ ዝገበሮ ጸሎት ዘዘኻኽር እዩ” ከም ዝበሉን ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀራንዮ ዝፈጸሞ፥ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸሎት ደው ክንብል ዝዕድመና እዩ - ቢሎም - ብሓቂ ኣብኡ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ንምገብ፣ ካብኡ ድማ ከም ብሓድሽ መንፈስ ንዓለም ብፍቕሩ ከነቀጻጽል ንጅምር፣ ንዝተጸገሙ ኣገልግሎት እናሃብና ተስፋ ንዝቖረጹ ድማ ተስፋ ክንመልስ ንጅምር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከም ማርያም

“ክትስዕብዎ ዝግብኣኩም ኣብነት ማርያም፥ "ሰሜናዊት ኮኾብ" ናይቲ ተልእኾ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ወንጌል ከም ዝግለጽ ድማ፥ “ብዙሕ ዘይትዛረብ ግን ብዙሕ እትሰምዕን ኣብ ልባ ትዓቑርን" ዝብል ኣብነት እዩ፥ እዚ እውን ንዓና መሰረታዊ ኣተሓሳስባና እዮ: ሒደት ምዝራብ - ንዘተ ክፉት ምዃን፣ ግን ከኣ ኣብ ዘይጠቅም ዕላልን በለካን ለኻዓካን ግዜኻ ዘይምጥፋእ - ብዙሕ ምስማዕ - ኣብ ጸሎት፣ ኣብ ስቕታ፣ ንኻልኦት ኣቓልቦ ምግባር፤ ሓደ ሓደ ግዜ ከመይ ጌርና ከም እንሰምዕ ኣይንፈልጥን ንኸውን: እቲ ካልእ ይዛረብ ንሕና ድማ ኣብ ፍርቂ ዘረባ መልሲ ንህብ ንህወኽ፥ ነዚ ዓይነት ኣገባብ ርክብ ኣይፋል ንበል፡ ንኹሉ፡ ክሳብ መወዳእታ ጽን ምባል። ንጐይታ እውን ስምዑ - ኣብ ልብኹም ድማ ሓዝዎ፡ ኣብዛ ሎሚ ተስፋ ኣዝዩ ዘድልያ ዓለም ተስፋ ሃዋርያት ንምዃን - ምስ በሉ - ምስዚ ኣተሓሒዞም፥ ሓደ ናይ ቅድስቲ ማርያም ባህርይ ዘኪሮም፥ እቲ ባህርይ ድማ "ኩሉ ግዜ ንኢየሱስ እምበር ንርእሳ ፈጺማ ዘይተርእይ ምዃኑ ዝገለጽ እዩ፥ ስለዚ "ገዛእ ርእስኹም ዘይኮነስ ንኻልኦት ንኢየሱስ ኣርእይዎ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ሎምን ወትሩን፡ እንኮ ተስፋና ኣብ ጐይታ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

19 September 2024, 16:28