ፍራንቸስኮ፥ ፋሲካ ናይ ክርስቶስ እምበር ናይ ዓውደ ኣዋርሕና ኣይኮነን ፍራንቸስኮ፥ ፋሲካ ናይ ክርስቶስ እምበር ናይ ዓውደ ኣዋርሕና ኣይኮነን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፥ ፋሲካ ናይ ክርስቶስ እምበር ናይ ዓውደ ኣዋርሕና ኣይኮነን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም ንጉጅለ ልኡካን ሽማግለ “ፋሲካ ብሓባር 2025ዓ.ም.” ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቲ ቀንዲ ክርስትያናዊ በዓል ናይ ክርስቶስ እምበር ናይ ምድራዊ ኣቆጻጽራና - ዓውደ ኣዋርሕ ወይ ናይ ሰብ መደብ ከምዘይኮነ ኣይንረስዕ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም ምስ ናይ ዝተፈላለዩ ዓለማውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ሓያሎ ኣቢያተ ክርስቲያን ሽማግለ ተበግሶ ፋሲካ ብሓባር 2025 ዓ.ም. ልኡካን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብኣቆጻጽራ ዩሊዩስን ጎርጎርዮስን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ እተብዕለሉ ዓመት ፋሲካ ብሓባር ንምብዓል ዝተበጽሐ ስምምዕ፥ ​​ኩሎም ክርስትያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ትንሳኤ ጐይታ ከብዕሉ ዘኽእል ዓቢይ ጸጋ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካና ኣፍሊጡ።

ከምኡ’ውን ኣብ 2025 ዓ.ም. እቲ መለኮታዊ ባህሪ ወዲ ኣምላኽ ዘነጸረን ንቤተ ክርስቲያን እምነት ኒቅያ ዝሃበ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒቅያ መበል 1700 ዓመት ክዝከር ከም ዝኾነን ቅዱስነቶም ዘኪሮም፡ በዚ መፍነስ እዚ ንዕዮ ሽማግለ ተበግሶ በዓለ ፋሲካ 2025 ዓ.ም.  ብሓባር ኣተባቢዖም፣ እዚ ፍሉይ ዕድል “ብኸንቱ” ከይሓልፍ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብዙሕ ግዜ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን በዓለ ትንሳኤ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓባር ከብዕልኦ ዘኽእል መገዲ ክርከብ ከይተሓለሉ ከም ዝሓተቱ ብምዝካር፥ “እቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብተወፋይነት ንዘገልግሉ ዘለዉ ክጸንዑ እላቦ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ምፍልላይ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ፣ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብ ምድላይ ጻዕሪ ክገብሩ አተባብዕ - ቢሎም - ፋሲካ ብተበግሶና ከምዘይፍጸምን ምስ ዝኾነ ሓደ ዓውደ ኣዋርሕ ከምዘይተኣሳሰርን ድማ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሄር ‘ንዓለም ኣዝዩ ስለ ዘፍቀራ ንሓደ ወዲ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ነቲ ውፉይ ክርስቶስ ዝኣመነ ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ክጠፍእ ኢሉ ኣይኮነን፡ ስለዚ ቀዳምነት ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ቀዳማይ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣይንረስዕ” ኣብ መደባትና፡ ሓሳብና፡ ኣቆጻጽራና፡ ወይ “በዓል ፋሲካና” ገዛእ ርእስና ከይንዓጽው ድማ ከም ተማሕጺኖም፥ “በዓል ፋሲካ ናይ ክርስቶስ እዩ!” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ “ብተወሳኺ፡ እቲ ክንስዕቦ ዝግበኣና መገዲ ዘርእየና ጎይታ ክኸውን ብምፍቃድ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ክንከውን ጸጋ ክንልምን ኣገዳስን ሰናይን እዩ ምስ በሉ፥ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም “ንኽርስቶስ መታን ብሓባር ክንምስክር ዓለም ብኣኡ ክኣምን መታን ክርስትያን ኵሉ ከስተንትንን መደብ ክሕጽጽን ብሓባር ክጓዕዝን ተላብዮም፥

"ሎሚ እውን ሰላሙ ምእንቲ ኺህበና ናብ ንጉሰ ሰላም ንለምን" እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 September 2024, 16:35