ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ዝተወደበ ገበን ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ቁስሊ የውርድ’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ዝተወደበ ገበን ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ቁስሊ የውርድ’  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ዝተወደበ ገበን ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ቁስሊ የውርድ’

ፍራንቸስኮ ካብ ማፍያ ዝተመንዝዐ ንብረት ንረብሓ ሕብረተሰብ ክውዕል ኣብ ዝብል ሓሳብ ናብ ዝተኮረ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተወደበ ገበን ኣብ ልዕሊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊ እቶም ሂወቶም ብኽብሪ ክነብሩን ደቆም ከዕብዩን መሰል ዘለዎምን ካብ ጥሜትን ፍርሕን ዓመጽን ጭቆናን ወይ በደልን ነጻ ዝኾኑን መጥቃዕቲ እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ገምጋም እዚ ዝሃቡ ዕለት 19 መስከረም ብማሕበር "ሊበራ" እተሰምየ ጸረ ማፍያን ናይ ገበን ጉጅለታትን ዘገልግል ዘይመንግስታዊ ማሕበር ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ መደብ “ዋዕላ ማሕበራዊ ኣጠቓቕማ ካብ ማፍያ ዝተሃገረ ንብረት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፥ ዝተወደበ ገበን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ቁስሊ ከምዘስዕብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመልኪቶም፡ ነዚ ስግረ - ሃገራዊ ጸገም ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ ክወሃቦ ይጽውዑ።

ኣንጻር ማፍያታት - ናይ ገበን ጉጅለታት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ካብ ዘጋጥሞም ኣገደስቲ ብድሆታት ሓደ ዝውክል ምዃኑ ገሊጾም፡ ሃገራዊ ሓይልታት ጸጥታ ስግር ዶባት ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም፡ ንብረት ናይ ዝተወደቡ ጉጅለታት ገበን ንምልላይን ንምሕዋይን ክዓዪ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፥

“እንተኾነ ዕዮ ሓይሊ ጸጥታ ተቖጻጻሪ ገበን ንብረት ንምልላይን ንምምላስን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝተሓጽረ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽገናን ዳግመ ህንጸትን ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ናብ ዝብል ሸቶ ክድረኽ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ፥ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ጭካነ ዝተወደበ ገበን ንሓባራዊ ረብሓ ዘጥቅዕ ምዃኑ ብምግላጽ፥ “ብፍላይ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብማሕበራዊ መንገዲ ዝተገለሉ ጉጅለታት” ኣዚዩ ዘጥቅዕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ነዞም ግዳያት ምርሳዕ ዝከኣልን ዝጽወርን ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ብዛዕባኦም ብምሕሳብ ጥራይ እዩ ብሰንኪ ዝተወደበ ገበን ዝስዕብ መጉዳእቲ ንምርዳእ ዝኽእል" ምስ በሉ፥ ነቲ ዝተመንዝዐ ወይ ዝተሃገረ ገበናዊ መኽሰብ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብን ዘጓነፎም ብርቱዕ ጸገም ንምውጋድ ዘቕንዕ ኣገባብ ኢጣሊያ እትስዕቦ መገዲ ንኢዶም፥ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ “ኣብ ህጹጽነት ምሕዋይን ምውሓስን ኩሉ ሰብ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ኩሉ ሰብ ዝሕቆፈሉን ዘይጥንጠነሉን ናይ ሓባር ውጥን፡ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ክብሪ ከተተኩሩ ኣላበው” ዝበለጸ ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉሉ እዋን፡ ግዳያትን ሕብረተሰብን ፈጺሞም ከይርስዑ ሓድራ ብምባል መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

20 September 2024, 16:35