ድለ

ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት ቲሞር ፦ ናጽነት ኪበሃል ከሎ ንኻልኦት ምኽባር ማለት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ቲሞር-ለስተ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ መንእሰያት ብምርኻብ ዛዘምዎ፣ ብዛዕባ መጻኢ ሃገሮም ሓላፍነት ዝስምዖምን ናጻን ቀለስትን ሰባት ክዀኑ ድማ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ወጋሕታ ምስቶም ኣብ ዲሊ ርእሲ ኸተማ  ቲሞር-ለስተ ዝነብሩ መንእሰያት ኣብ ዝተራኸቡሉ፦ "ክልተ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፦ ቀለስቲ ለውጢ ኩኑ ንሽማግለታትኩም ውን ኣኽብርዎም!"

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ሓደ ማእከል ኮንግረስ ኢዩ ተኻይዱ፣ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣብ ቲሞር-ለስተ ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ ዕላዊ መደቦም ኢዩ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ መብዛሕትኦም ካብቶም 1.4 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦ መንእሰያት ምዃኖም ገለጹ፣ ካብዚኣቶም ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካቶሊካውያን ኢዮም፣ ነቲ ኣብ እምነት ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ድማ ነኣድዎ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲሞር ለስተ ምስ መንእሰያት ዲሊ
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲሞር ለስተ ምስ መንእሰያት ዲሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ገጽ ህዝቢ ቲሞር ዝረኣይዎ ፍሽኽታ ፈጺሞም ኸም ዘይርስዖ ድማ ኣመልከቱ ።

ንመንእሰያት ቲሞር እውን ነቲ ኣቦታቶም መሰረት ሃገሮም ንምትካል ዝገበርዎ መስዋእቲ ኪዝክርዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ድማ ንሽማግለታት ኬኽብሩ ተማሕጸንዎም ።

ሓደ ሕብረተሰብ ክልተ ዕቁር ሃብቲ ከም ዘለዎ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ መንእሰያትን ሽማግሌታትን ኢዮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "መንእሰያትን ኣረጋውያንን" በሉ። "ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ውሉድ ዘለዉዎ ሕብረተሰብ ንሽማግሌታት ክከናኸንዎም ኣለዎም። ከምኡ ውን እቶም ተዘክሮታት ዘለዎም ብዙሓት ኣረጋውያን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከኽብሮምን ክከናኸኖምን ኣለዎ።"

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲሞር ለስተ ምስ መንእሰያት ዲሊ
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲሞር ለስተ ምስ መንእሰያት ዲሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰለስተ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት "ናጽነትን ቈራጽነትን ሕውነትን" ኣሕጽር ኣቢሎም መግለጺ ኣቕረቡሎም።

ብቛንቋ ቴቱም ቲሞር-ለስተ "ኡኩን ራሲክ-ኣን" ኪብሃል ከሎ "ኵሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ ኼመሓድር ይኽእል እዩ" ዚብል ትርጕም ከም ዘለዎ ውን ገለሱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንእሰያት ነቲ ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕላማን ናጽነት ከስተውዕልዎ ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱሎም ።

"ናጽነት ክበሃል ከሎ ዝደለናዮ ምግባር ማለት ኣይኰነን " በሉ ቅዱስነቶም፣ ናጽነት ክበሃል ከሎ ንኻልኦት ምኽባርን ሓባራዊ ቤትና ምክንኻንን ማለት ኢዩ ውን በሉ ።

ኣገዳስነት "ሕውነትን" ከምኡውን ኣገዳስነት ዕርቀ ሰላም እውን ኣዘኻኸርዎም።

"ንስኻትኩም ኣብዛ ፍሽኽታ ዝመልኣ ሃገር ዘደንቕ ታሪኽ ጅግንነት እምነት ሰማእትነት ልዕሊ ዅሉ ድማ እምነትን ዕርቀ ሰላም ኣሎኩም ኣሎኩም" ክብሉ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መወዳእታ ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕረ ብምባልን ብዕርቅን ኣብነት ዝሃበና ክዝክርዎ ብምምሕጻን ነቲ ምስ መንእሰያት ቲሞር ለስተ ዝገብርዎ ርክብ ዛዘምዎ ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲሞር ለስተ ምስ መንእሰያት ርእሰ ከተማ ዲሊ
11 September 2024, 15:40