ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣረጋውያንን ሕሙማትን: ጸሎትኩም ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ '

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግሌታትን ተኣለይቲ ሕሙማንን በጺሖም "ጸሎትኩም ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ" በልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ሎሚ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ሲንጋፖር ዝበጽሖም ነቶም ኣባኡ ዝእለዩ ዝለዉ ኣረጋውያንን ሕሙማትን "ኣምላኽ ጸሎትኩም ክሰምዕ ከሎ ባህ ኢዩ ዝብሎ" ብምባል መጸናንዒ ቃላቶም ለገሱሎም።

"ምእንቲ ቤተ-ክርስትያንን ምእንቲ ደቅሰብን ክትጽልዩ እልምነኩም ኣለኹ። ጸሎትኩም ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።" ድማ በልዎም።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝረኸብዎም ሰባት ስለ ዝለገሮም ተቕባል ኣመስጊኖ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቦም ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጸሎም ምእንቲ ቅዱስነቶም ክጽልዩ ውን ተማሕጸንዎም።

እታ ቕድሚ 90 ዓመት ብሒደት ኣሓት ድኻታት እተመስረተት ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ሎሚ ን200 ኣረጋውያን ትኣሊ ዘላ ኮይና፣ በቲ መኽሰብ ዘይብሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደር ዘሎ ኢዩ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ተጠወርቲ ሽማግሌታትን ሕሙማትን ከም እተራኸቡ
ር.ሊ.ጳ. ምስ ተጠወርቲ ሽማግሌታትን ሕሙማትን ከም እተራኸቡ

ኣብ ቤተጸሎት ናይቲ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ብማሕበር ካቶሊካዊ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛን ቅዱስ ዮሴፍን፣ ቤተ ፍራንቸስኮን ዝተለገሰ 60 ብሽሌታ ኣካለ ስንኩላን ባሪኾም ኣወፈዩሎም።

በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ቅድሚ ዝገብርዎ ርክብ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ መወዳእታ መደባቶም ካብ ዝገብርዎ ፍጻሜታት ኢዩ ዝንበረ።

ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ መደብ ምስ መንእሰያት ቅዱስ ኣቦና እቲ ናብ እስያን ኦሽያንያን ዝገበርዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ መንበሮም ንምምላስ ናብ መዕርፎ ነብርቲ ሲንጋፖር ኢዮም ኣምሪሖም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ሲንጋፖር ከም ዝበጽሑ
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ሲንጋፖር ከም ዝበጽሑ

እዚ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብቲ ቍሸት ቅድስቲ ተሬዛ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ዝሰፍሐ ህንጻ ክግዕዝ ኢዩ ። ኣብ ክንዳኡ እቲ ሕጂ ዘሎ ህንጻ 'ካቶሊካዊ ማእከል' ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሲንጋፖር ክኸውን እዩ፣ እዚ ህንጻ እዚ ዓበይቲ ውድባት ቤተ-ክርስትያን ዓበይቲ ጉባኤታት ዘካይዱልን ሱባኤታት ዝካየደሉን ከምኡ ውን መንበሪ ገዛ ናይቶም ጡረታ ዝወጹ ሽማግሌታት ካህናት ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቶም ተቐማጦን ንመጻኢ ናይቲ ‘ካቶሊካዊ ማእከል’ ኮይኑ ዘገልግል መሰለጥያታትን ውን ባሪኾም ኢዮም።

ምስክርነት ክልተ ተጠወርቲ ኣብ ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ንሽማግሌታትን ተኣለይቲ ሕሙማትን ቤተ ሓልዮት ቅድስቲ ተሬዛ ከም ዝበጽሑ
13 September 2024, 16:55