2024.09.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልግሎት ቍጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣልያ የተባብዑ 2024.09.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልግሎት ቍጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣልያ የተባብዑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልግሎት ቍጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣልያ የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ጉዳያት ቁጠባ ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣሊያ ኣብ ”መበል 250 ዓመት ቅዋሜኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ኣንቛዕ ሓጎሰኩም ብምባል፡ ነቲ ትካል ንቁጠባውን ፋይናንሳውን ድሕነት ኢጣልያ ዘርእዮ ታሪኻውን ቀጻልን ተወፋይነት የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ነቲ "Nella tradizione, il futuro" (ኣብ ባህሊ፡ መጻኢ) ዝብል ናይቲ ሓይሊ ጸጥታ መለለዪ ቃል መሰረት ገይሮም፡ ቁጠባዊ መዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣሊያ ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ክሳብ ክንደይ ሱር ከም ዝሰደደ ኣስሚሮም፥ እዚ ሓይሊ ጸጥታ ብፍሉይ ቁጠባዊ ጉዳይ ዝከታተል ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ፈለማ ቁጠባዊ ክትትልን ንምክልኻል ዶባትን ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ኣብ መምርሕታት ክፍሊ ​​ግብሪ፡ ቁጠባውን ጉምሩካዊ መዳያት ኣገዳሲ ተራ ክጻወት እንከሎ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ኣኽራንን ስርሒታት ምድሓን ህይወት እውን ዘካይድ ምዃኑ ብምዝካር፥ . . . ብፍላይ ድማ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኲናት ዓለም ንኣይሁዳውያን ስደተይናታትን ንዝሳደዱን ተመዛበልትን ዝገበርዎ ሓገዝ ኣመልኪቶም፡ ንጉዳያት ሕብረተሰብ ብቐጥታ ዝምልስ ምዃኑ ኣስሚሮም ድማ ንሓደጋታት ብልሽውናን ብዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ስልጣንን ንምውጋድ ዝምልስ፣ ንማሕበራዊ ሕማማት ዝኣልይ ኣማራጺ ባህሊ ዘቕርብ ምዃኑ የስተብህሉ።

ክብርታት ማዕርነትን ፍትሕን

ካብ ናይ ኢጣሊያ ቁጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ሓላዊ ቅዱስ፥ ቅዱስ ማቴዎስ ዝነበሮ ትብዓት መሰረት ገይሮም፥ እቲ ሓዋርያ ካብ ኣካብን ተቐባልን ግብሪ - ኣብ ግዜ ኢየሱስ ንሃጸያዊ ስልጣን ብምግልጋልን ኣብ ብልሽውና ተግባራት ብምውፋርን ዝተናዕቀ ዝነበረ - ናብ ክብርታት ማዕርነትን . . . ፍትሕን ምስፋሕ ከም እተዋፈረ ብምዝኽካር ቅድሚ ምልዋጡ ማቴዎስ “ከም ኣምላኽ ንዝምለኽ ገንዘብ ጥራይ ዝውፈ ዘይጥዑይ ስነ - ምግባር ዝውክል ከም ዝነበረ ኣቢርሆም፥ "ኣብ ግዜና'ውን እንተኾነ፡ ተመሳሳሊ ስነ - መጎት ንማሕበራዊ ህይወት ይጸልዎ፡ ዘይምዕሩይነትን ሕርጋትን የስዕብ: እዚ ውርደትን ሕፍረትን እዩ ካብ ብኽነት መግቢ ጀሚርካ፥ ዜጋታት ካብ ገለ መሰላቶም ተጠቀምቲ ንኸይኮኑ ምንጻል . . .

መንግስቲ ባዕሉ ግዳይ ናይዚ ስርዓት ክኸውን ከምዝኽእል ምሕሳብ የድሊ፡ "ዋላ'ውን ርኡይ ጸጋታት እኳ እንተሃለወ፡ ብመንጽር ቁጠባዊ ወይ ዓለማዊ ዕዳጋ ተነጺለን ዝጸንሓ ሃገራት'ውን ንሕሰብ . . . "ሎሚ ኣብ ዓለም ኣብ ምዕቡላት ሕብረተሰባት ብዙሕ ብኽነት ኣብ ዘሎሉ እዋን፡ ጥሜት ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል? ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምግባረ ብልሽውና እዩ።"

"ካልእ ድማ ምፍራይ ኣጽዋር ንሓደ ዓመት ጥራይ ደው እንተዝብል ጥሜት ዓለም ምተዛዘመ። ዓለም ካብ ምፍታሕ ጥሜት ኣጽዋር ምስራሕ ይሓይሽ ዝብል ዘሎ እዩ ዝመስል . . . መንግስቲ ባዕሉ ግዳይ ናይዚ ስርዓት ክኸውን ይኽእል እዩ . . . ።

ፍትሓውነት ኣብ ቁጠባዊ ዝምድናታት

ኣባላት ጉዳይ ቁጠባ ናይ ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣሊያ፥ ኣብ ቁጠባዊ ዝምድናታት ፍትሓውነት ከስፍሑን ኩሎም ዜጋታት ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ መትከላት ፍትሓውነት ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ክፍሊት ግብርን፡ ምዝመዛ ጉልበትን ብስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ብዝተራቀ ኣገባብን ንዝፍጸም ግህሰታት ክቃለስን፡ ከም ትሑት ደሞዝ ወይ መዝመዝቲ ስራሕ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ክብሪ ደቂ ሰባት ኣብ ምሕላው ዘለዎም ወሳኒ ተራ ክሕልዉ ኣተባቢዑ።

"ስራሕኩም ኣብ ምድጋፍ ሰብኣዊ ክብሪ ቀዳማይ ኣገዳስነት ኣለዎ" . . . ነቲ መዓልታዊ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንሓባራዊ ረብሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ንመኸተ ኣንጻር ምግባረ ብልሽውና ዘደልድልን ንጉዳይ ፍትሕን ሕጋውነትን ዘሰጉም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብሰንኪ ብልሽውና ዝስዕብ ጉድኣት

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ብልሽውና ዘስዕቦ ሕብረተሰባዊ ጉድኣት እንከስተንትኑ፥ ምስቲ ሓደ ህዝቢ ዝህነጸሉ ኣዕኑድ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ "ዝተሰብረ ልቢ" ንምጽጋን፡ ሕግታት ኣድላዪ እኳ እንተኾነ ሕጊ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፥ . . . "ፍትሒ ኣድላዪ እውን እንተኾነ፡ ነቲ ፍቕሪ ጥራይ ክፍውሶም ዝኽእል ባዶነት ንምምላእ ግን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን" እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥

ዓለምለኻውነት ዘይምግዳስ

ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘዳኽምን ዓመጽን ሸለልትነትን ዘጋድድ “ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ - ሸለልትነት” ንምብዳህ ኣብ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ሓልዮት ሓባራዊ ረብሓን ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብሩ ብምትብባዕ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልግሎት ቍጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ኢጣልያ የተባብዑ
21 September 2024, 16:37