ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተቛም ስለ ፍልጠት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰብኣዊ ክብሪ የጉልሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተቛም ስለ ፍልጠት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰብኣዊ ክብሪ የጉልሑ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተቛም ስለ ፍልጠት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰብኣዊ ክብሪ የጉልሑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን ሸነኻት ስነ ፍልጠትን እደ ጥበባውን ምዕባለታት ኣብ ግምት ምእታው ከምዘድሊ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ሰብኣውነት ኣብ ፍጥረትን ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ዓሚቝ ጽልዋታት” ንምዝታይ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣባላት ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን ሸነኻት ስነ - ፍልጠታውን እደ ጥበባውን ምዕባለታት ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣተሓሳሲቦም።

ወዲ ሰብ ኣብ ፍጥረት ዘለዎ ጽልዋ

ንመላእ ባይቶ ተቕዋም ኣብ ዝተዳለወ መደረኦም፡ ብዛዕባ “ውህሉል ጽልዋ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ኣብ ፍጥረት” እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ ኣመልኪቶም፡ “ዘመነ ማእከልነት ሰብ” ተባሂሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ዘመን “ብውሑዱ ዘይኮነ ኣብ ድኻታትን ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ኣብ ዝርከቡን ዘለዎ ጽልዋ ንምብዳህ እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ድማ ኣብዚ ዓውዲ ንዝገብሮ ቀጻሊ ስራሕ ንኢዶም . . . “ስነ ፍልጠት ኣብ ምድላይ ፍልጠትን ርድኢትን ስጋዊ ዓለም፡ ፍልጠት ተጠቒሞም ክብሪ ውልቀሰባትን ብሓፈሻ ሰብኣውነትን ንምግልጋልን ንምዕባይን ኣገዳሲ ምዃኑ ፈጺሞም ክስሕትዎ የብሎምን።”

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን - ረብሓታትን ሓደጋታትን

ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተራእየ ምዕባለ ብዝምልከት – እቲ ካልእ ቀንዲ ትኹረት ናይዚ ዓመት’ዚ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ እናሓሰቡ ንረብሓታት ሓደስቲ ምዕባለታት ኣፍልጦ ብምሃብ ምስ ሓደስቲ እደ ጥበባት ካብ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት እውን ኣጠንቂቖም . . . ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ዘስዕቦ “ኣሉታዊ ሳዕቤን” ከምኡ’ውን ምስ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተሃሳሰረ ማሕበራዊ ርእይቶ ዝጸልው ሓደጋ ዝዓቖረ እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ነዚ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2024 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ዘኪሮም፡ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ስክፍታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ባህርያዊ ክብሪን ከም ኣባላት ናይ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ብሓደ ዘራኽበና ሕውነትን” ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ ምዕባለ እደ ጥበብ ነዚ ባህርያዊ ክብርን ሓባርዊ ሕውነት ከም ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ክድግፍ ኣለዎ’” ይብሉ።

ጽሞና ዘለዎ ግን ከኣ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣበርክቶ

ቅዱስነቶም ንኣባላት ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት፥  ውጽኢት ስነ - ፍልጠታዊ መጽናዕትን "ብዅሉ ኽፋላት ሕብረተሰብ" ብዝዓበየ ተሳትፎን "ንዅሉ ዚሓቍፍ ሓባራዊ ክኸውን፡ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ውልቀሰባትን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለምን ብዕምቆት ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ድማ ኣብ “እዚ ዝተሓላለኸ ዓውዲ” ሓደጋታት ዝከላኸልን ረብሓታት ዘተባብዕን ስርዓታት ኣብ ምቕራብ ዕዮታቱ ንኢዶም ኣብ መወዳእታ ንኣባላት “ንጉዳይ ዓለማዊ ሰላምን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን” ኣገዳስነቱ ዘማእከለ ኣብ ምድላይ ፍልጠት ዘለዎም “ጽሞናዊ ኣበርክቶ” ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2024, 16:51