ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ዝጽሊ ህዝቢ መጻኢ ኣለዎ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ውዕሎ ምስ በርገሳውያን ሰበስልጣን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተራኺቦም፡ ነቲ ብስኒትን ብሰላምን ክነብር ዝተጸውዐ ህዝቢ እታ ሃገር ዘይተኣደነ ብዙሕነት ብምንኣድ ኣገዳስነት ጸሎት የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 መስከረም ንጉሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ሞረስቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኤፔስ ንር.ሊ.ጳ.

ዋና ኣመሓዳሪ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ቦብ ቦፈንድ ዳዳኤ ንር.ሊ.ጳ. ኣቀባብላ ምስ ገበሩሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገርን ኣብ ሕብረተሰብ ዝገበረቶን ትቕጽሎን ዘላ ኣበርክቶን ገሊጾም፥ ንቅዱስነቶምን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነመስግን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዘይተኣደነ ባህላዊ ሃብቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ኣፍደገ እታ ምጭውቲ ሃገርኩም፡ ካብ ሮማ ክሳብ ክንድዚ ርሒቓ ዘላ እውን እንተኾነ ናብ ልቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣዝያ ቀረባ ክትከውን ብምኽፋትኩም አመስግን -

ኣማኢት ደሴታት ዘለዎን ልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ቋንቋታት ዝዝረበሉን ነፍሲ ወከፎም ንፍሉያት ብሄራት ኣብ ዝውክሉ ደሴታት ዝነብር ህዝቢ እታ ሃገር ‘ክብረት ይሃበለይ . . . ፍሉይ ሃብቲ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሃብቲ ተፈጥሮ ንረብሓ ኩሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ ሃገር ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እውን ሃብታም ምዃና ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ “ንመላእ ሕብረተሰብ ብእግዚኣብሔር ዝተመደበ ጸጋ እዩ”፣ ዋላ’ውን ኣብ ምጥቃማ እዚ ሃብቲ እዚ ናይ ደገ ሓገዝ ኣድላዪ እንተኾነ . . . ኩነታት መነባብሮኦም ንምምሕያሽ፡ ነቲ ኣታዊ ኣብ ዝዕደለሉን ሰራሕተይናታት ኣብ ዝቖጽርሉን እዋን፡ ድሌታት ህዝቢ እቲ ከባቢ ግቡእ ቆላሕታ ክግበረሉ ቅኑዕ'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ . . . እዚ ጻዕርታት እዚ ነዚ ጸጋታት ብፍትሓውን ዘላቕነትን ንምምዕባል ዓቢ ሓላፍነትን ምትሕብባርን ከም ዝሓትት ድማ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።

ወጥሪ ምብዳህ

ቅዱስነቶም ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዓመጽ ቀቢላታት ደው ክብል፣ ድሕሪ ደጊም ግዳያት ከይህሉን ህይወት ኩሉ ክኽበርን ክመሓየሽን ዘለዎም ተስፋኦም ገሊጾም። . . . ኩሉ ሰብ “ንረብሓ ኩሉ ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ፍረ ዘለዎ ምትሕብባር ዝመርሕ መንገዲ ብጽኑዕ ክጅምር” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ጥዕና፣ ትምህርትን ዕድላት ክቡር ስራሕን ኩሎም ክመሓየሹ ዝኽእሉ መንገዲ ንምድላይ ንዝግበር ጻዕሪ ዘተ ዓቢ ሓገዝ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ወሲኾም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋን መንፈሳዊ ክብርታትን ምዅስኳስ

ኩሉ ሰብ መሰረታዊ ንሕይወት ዘድሊ ነገራት ክረክብ ከም ዘለዎ ከረጋግጹ እንከለዉ፥ ሰባት’ውን ምሉእን ትርጉም ዘለዎ ህይወት ንኽነብሩ፡ “ኣብ ልቦም ዓቢ ተስፋ የድልዮም” ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ኣብ እምነት ሱር ዝሰደደ ሰፊሕ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ከመይ ከም ዘድሊ ድማ ብኣጽንዖት ገሊጾም።

“መንፈሳዊ ክብርታት ኣብ ህንጸት ምድራዊት ከተማን ንዅሉ ግዝያዊ ክውንነትን ኣዝዩ ይጸልዎ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዞም ክብርታት እዚኣቶም ንመንፈስ ዝጸውልዉ፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ውጥናት ድማ ኣስተንፍሶን ሓይልን እዮም”

ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝገበርዎ ዑደት መርሕ ቃል “ጸሊ” ዝብል ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ዝጽሊ ህዝቢ ካብ ላዕሊ ሓይልን ተስፋን ዝስሕብ መጻኢ ከም ዘለዎ” ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፥

ኣስዒቦም ናይ ጸሎት ባህሪ፡ ውሽጣዊ ናጽነት የምጽእ፣ ከምቲ ኣብቲ ናይቲ ዘካይዶ ዑደት መለለዪ ዘሎ ምስሊ ዑፍ ገነት፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሃገራዊ ባንዴራ ምልክት ናጽነት ዝኾነ፣ “ናጽነት ማንም ዋላ ሓደ ክሓንቃ ዝከኣሎ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ውሽጥና እያ፣ በቲ ፍቕሪ ዝዀነን ደቁ ሓራ ኪዀኑ ዚደልን ኣምላኽ ድማ ይሕሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እምነት ሕብረተሰብ ይድግፍ

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዝበዝሐ እምነት ክርስትና ዝስዕብ ህዝቢ እታ ሃገር እምነቶም ካብ ምኽባር ስርዓታትን ትእዛዛትን ንላዕሊ ክኸውን “ብፍቕሪ ኢየሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን ብምዃኑ ዝልለይ ክኸውን ዘለዎም ልዑል ተስፋ ገሊጾም . . . ብፍቕሪ ኢየሱስ ክርስቶስን ደቀ መዝሙር ብምዃኑ ዝልለይ ይኹን።”

እምነት፡ “ዝነበር ባህሊ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ንኣእምሮን ተግባራትን ዘነቓቕሕን ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ዘብርህ ብርሃን ክኸውንን ይኽእል’ዩ” ቢሎም፥ ህያው መግለጺ እምነት ዝኾነ ማሕበረሰባት ክርስትያንን ኣብታ ሃገር ዘሳልጦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ብምንኣድ፣ ምስ መንግስታዊ ትካላትን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ብምትሕብባር ክሰርሑ ድማ ኣተባቢዖም።

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስክርነት ብጹዕ ፒተር ቶ ሮት ብሓባር ብጹዕ ጆን ማዙኮኒ ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ንወጻእን ምስ ካልኦት ውፉያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኩሎም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ህይወቶም ዘወፍዩ ነዚ ህዝቢ ጽንዓትን ተስፋን ዘስነቑ ብምዝካር፥

“ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ሓላዊ ቅዱስ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ኩሉ ግዜ ኣይፈለየኩም፣ ካብ ኩሉ ሓደጋ ይከላኸለኩምን ንሰበስልጣንን ንኹሉ ህዝቢ እዛ ሃገርን ይሓልው” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ዝጽሊ ህዝቢ መጻኢ ኣለዎ!
07 September 2024, 15:43