ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሉሰምበርግ ንሰላም ናይ ምትሕብባር ኣብነት ክትከውን ትኽል እያ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሉሰምበርግ ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ናይ ሸሞንተ ሰዓታት ዑደት ፈላማይ ወግዓዊ መደረኦም፡ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ሉሰምበርግ ኣብ ምዕባይ ሓድነትን ሰላምን ኤውሮጳውያን ዘለዋ ወሳኒ ተራ ኣጉሊሖም፡ ሃገራውነትን ውግኣትን ኣብ ኤውሮጳ ክበራበር ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሉክሰምበርግ ንኹሉ ሰብ ብልጫታት ሰላም ኣንጻር እቲ ዘስካሕክሕ ኲናት (...) ከምኡ’ውን ረብሓታት ምትሕብባር ኣህዛብ፡ ኣንጻር እቲ መርገጺታት ምትራርን ንነብስኻ ጥራይ ዝሓስብን ኣርሒቑ ዘይጥምት ወይ’ውን ብዓመጽ ዝመልኦ ረብሓታትካ ምድላይን ዘስዕቦ ሃሳዪ ሳዕቤን ከተርኢ ትኽእል እያ” . . . ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 መስከረም ንመበል 46 ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝርከቡላ ሉሰርምርግ በጺሖም ኣብቲ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ናይ በርገሳውያንን ናይ መግንስትን ላዕለዎት መራሕትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብታ ኤውሮጳ ዳግማይ ሃገራውነትን ኲናትን ኣብ ዝረኣየላ ዘሎ እዋን፡ ሰበስልጣን ምምሕዳር ከባቢ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ንሰላምን “ስሙርን ሕውነታውነትን ኤውሮጳ” ንምህናጽን ዝነበሮ ተወፋይነት ክሕሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሉሰምበርግ ኣብ ምድንፋዕ ሰላምን ሓድነትን ኤውሮጳ ታሪኻዊ ተራ

ሉሰምበርግ ብተደጋጋሚ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ናይ ኤውሮጳ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ፍጻመታት ከም ዝረኸበት ዘኪሮም፡ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ወሳኒ ተራኣ ኣሚኖም፡ ከምኡውን ድሕሪ ዕንወት ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ሓድነት፣ ከም መስራቲ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ እውን ምዃና ብምዝካር . . . ነዛ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ክትስስንን ኣብ ኣህጉራዊ ኵነታት ዓቢ ተራ ክትጻወትን ዘኽእላ፡ ሰብኣዊ ክብርን ልዕልና ሕግን ዘስፍሕ “ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ኣቃውማኣ” ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃብቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ሓላፍነት የጠቓልል

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሉሰምበርግ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብፍላይ ኣብ ምድጋፍ ድኻታት ሃገራት፡ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ደጊሞም ብምግላጽ፡ ሉሰምበርግ “ኣገዳሲት መስቀላዊ መንገዲ ባህልታት” ኮይና፡ ተልእኾኣ ክትቅጽል ኣተባቢዖም፡ ምትሕብባር ብዓለም ደረጃ ምድንፋዕ፣ ምእንቲ “ኩሎም ኣብ ዝተወደበ ምስ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝሰማማዕ መስርሕ ውሁድ ምዕባለ ቀንዲ ተዋሳኢት ክትከውን ሓደራ ቢሎም፥ ብፍላይ ንከባቢ ዘኽብርን ማሕበራዊ ምግላል ዝቃወምን ኣርኣያ ምዕባለ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ሃብታም ምዃን እውን ሓላፍነት እዩ . . . ንኻልእ ክትሓስብን ክትሓልን ዝብል ሓላፍነት! . . .

“ልምዓት ሓቀይናን ዘይነጻጸልን ንኽኸውን፡ ናይ ሓባር ገዛና ክንዘምት ወይ ከነዋርድ የብልናን። ብተመሳሳሊ፡ ንህዝብታት ይኹን ማሕበራዊ ጉጅለታት ኣብ ሕድጋት ክንገድፎም የብልናን።”

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከም በዓል ሉሰምበርግ ዝኣመሰላ ሃብታማት ሃገራት፡ ንዝተጸገማ ሃገራት ካብ ድኽነት ንኽላቐቓ ክሕግዛ፡ ከምኡ’ውን “ብዝሒ ናይቶም ክስደዱ ዝተገደዱ ግዴታኦም ኣጽኒዖም ውሕስነት ከረጋግጻ” ድማ ተላብዮም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ሉሰምበርግ ምስ ታሪኻን ብዙሕ ባህላዊ ህዝባን፡ ንስደተይናታትን ተመዛብልትን ንምቕባልን ንምውህሃድን ከም ኣብነት ኮይና ከተገልግል ከም እትኽእል የስተብህሉ።

ክብርታት ወንጌል ንመራሕቲ ዓለም ናብ ሰላም ይመርሖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ሕጂ ዘሎ መዓታዊ ኩነታት ዓለም እናሓሰቡ፥ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ መላእ ዓለምን ሰብኣውነት ከምቲ ናይ ቀደም ጌጋታት ዝድገም ዘሎ ዘምስል ዕጥቃዊ ግጭታት ዳግማይ ምልዓሉ ነቒፎም፡ ሎሚ ዝገደደ “በቲ ሕጂ ደቂ ሰባት ዝውንንዎ ዝዓበየ እደ ጥበባዊ ሓይሊ” ዝተደገፈ እውን ብምዃኑ ሳዕቤኑ ዝገደደ እዩ ዝኸውን፡ ምኽንያት ምስቲ ኣዝዩ ኸቢድ ሰብኣዊ ዋጋን ተወሳኺ ዘይጠቅም ጃምላዊ ቕትለትን" ኣብ ውግእ ዕሽነት ምእንቲ ከይእቶ ህዝብታትን መራሕቶምን "ብኽቡርን ዓሚቝን መንፈሳዊ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ክድረኹ" ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ንሰብኣውነት ንምግልጋልን ሰላምን ምትሕግጋዝን ፍትሕን ንምስፋን ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ንውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ናብ ዕርቅን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ግጭታት ክመርሕ ተማሕጺኖም፥

“ከም ተካኢ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ከምኡ’ውን ብስም እታ ኣብ ሰብኣውነት ክኢላ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፡ ወንጌል ምንጪ ሕይወትን ኩሉ ግዜ ሓድሽ ሓይሊ ውልቃውን ማሕበራውን ምሕዳስ ምዃኑ እምስክር።”

ስለዚ ሉሰምበርግ ንረብሓታት ሰላምን ውህደትን ምትሕብባርን ክተሰጉም ኣተባቢዖም ንመራሕቲ ዓለም ከኣ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ቅኑዕ ዘተ "ብቘራጽነት" ክኣምኑን ክዋስኡን ተማሕጺኖም፡ ከምኡውን "ዋላ ሓንቲ ዘዳኽምን ንዅሎም ድሕንነትን ሰላምን ክሃንጽ ዝኽእልን ክቡር ምድምማጽ ንምርካብን ፍቓደይናታት" ክዀኑ ተማሕጸኖም፥

“ሓደ ካብ ጸዋዕታታትኩም ዓለም ሰላም ክትገብር ምሕጋዝ እዩ”

ንምግልጋል

ምስ በሉ ቅዱስነቶም መደረኦም “ምግልጋል፣ ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘመልክት እኳ እንተኾነ፣ ምግልጋል ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክንስዕቦ ዘሎና ክቡር ዕማምን ብኣነባብራና ክግለጽ ዘለዎ ንኹሉ ዝምልከት ምዃኑ ኣብሪሆም። “እግዚኣብሄር ወትሩ ብሓጐስን ለጋስን ልቢ ከተገልግሉ የኽእለኩም” ብምባል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 September 2024, 16:50