ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ጉዕዞና ናብ እግዚኣብሔር ከም ነጋድያን መጠን ዕርክነትን ስኒትን ነማዕብል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ርክብ ዓቢ ዒማም ዶክተር ናሳሩዲን ዑመር ንቕዱስነቶም ቃለ ሰላምታ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡ መደረ ከም ዘስምዑን ብሓባር ድማ ነቲ ንመስጊድ ኢስቲቕላል ምስቲ ኣብ ስግር ዘሎ ካቶሊካዊት ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ዘራኽብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ “ናይ ምሕዝነት ጉሕጓሕ” እውን ከም ዝበጽሑን ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝውቱር ክብርታት “ንባህሊ ዓመጽን ዘይምግዳስን ንምስዓርን፡ ዕርቅን ሰላምን ንምስፋን ብኣድማዒ መንገዲ ክሰርጽ” ኣብ ዝላበው ኣብ ሓባራዊ ኣዋጅ ኢስቲቕላል 2024 ዓ.ም. ክታሞም ከም ዘንበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዓቢ ኢማም ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ዑድማት፡ ከምኡ’ውን እዚ ናይ ኣምልኾን ጸሎትን ቦታ “ንደቂ ሰባት ዓብይ ቤት” ምዃኑ፡ ሰባት ነቲ “ንኢታእላው ዘለዎም ዘይጽንቐቕ ሃረርታን” ግዜ ወሲዶም ጽን ዝብልሉ ቅዱስ ስፍራ ምዃኑ ብምዝኽካር ኣመስጊኖም፡ ኣብ ልብናን “ምስ መለኮት ንምርኻብ ዘሎና ድልየት ምስ ካልኦት ናይ ዕርክነት ሓሴት ክንነብር” ዝጠልብ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘተን ስኒትን ምዅስኳስ
ር.ሊ.ጳ. “ዓቢ ህያብ” ኢንዶነዥያውያን “ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ስምዒታትን ዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን” ንምድንፋዕ ዘካይድዎ ዕማም ክብሪ ብምሃብ፡ እዚ እውን እቲ ዝተኣከብናሉ መስጊድ ምስክር ናይዚ ጻዕርታት እዩ - ቢሎም - ሃይማኖታዊ ተመክሮታት ንሕውነታውን ሰላማውን ሕብረተሰብ መወከሲ ነጥብታት ምእንቲ ክኸውን ነዚ ህያብ እዚ መዓልታዊ ከማዕብሉ” ከም ዝተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ርክብን ዘተን
እቲ ንመስጊድ ኢስቲቅላልን ንካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ዘራኽብ “ጉሕጓሕ ምሕዝነት” እውን እዞም ክልተ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንሓድሕዶም ገጾም ጥራይ ዘይኮኑስ ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም ምልክት ትብዓት ስኒትን እዩ . . . ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሓድሕዳዊ ፍቕርን ዝተመስረቱ፡ ካብቲ ኩሉ ግዜ ሓደገይናን ዘይምኽንያታውን ዝኾነ ድርቅናን ኣኽራርነትን፡ ጸንፈይናነትን ክንከላኸል ዘኽእል ክፉት ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክንገብር ይድርኸና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኩሉ ግዜ ብዕምቆት ምምልካት
“ሃይማኖታዊ ተሃዋስነት ኣብ ኩሉ ዘሎ ሓባራዊ ሱር፡ ምስ መለኮታዊ ርክብ ንምድላይ፡ እቲ መለኮት ኣብ ልብና ዘሕደሮ ደረት ኣልቦ ጽምኢ ንኢታእላው፡ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሞት ዝዓበየ ሓጐስን ዝሓየለ ህይወትን ምድላይ ዝብል፡ ... ንጉዕዞ ህይወትና ህያው ይገብሮን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ምስ ኣምላኽ ክንራኸብ ይድርኸናን።”
እክብሉ ቅዱስነቶም ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥ ሕይወትና ብዕምቆት ብምርኣይ ብመንጽር እቲ ናይ ሓባር “ዘይጽንቀቕ ጽምኢ” ከመይ ጌርና ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንዮ እቲ ዝፈላልየና “ነጋድያን፣ ተጓዓዝቲ ናብ እግዚኣብሔር” ምዃንና ከነስተውዕሎን ከነስተማቕሮን ከም እንኽእል ኣተሓሳሲቦም፥
ናይ ዕርክነት ምትእስሳር ምዅስኳስ
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሓቂ ሓቢርና ንደልያ . . . ካብ ናይ ሓድሕድና ሃይማኖታዊ ትውፊት እናተመሃሃርና “ንሓድሕድና ክንራኸብ” ኣብ ሓደ ክንመጽእ እንኽእል ኣብ ማእከል ሃብታም ብዙሕነትና ኣብ ዝጥርንፈና ሰብኣውን መንፈሳውን ድሌታት” ብምትኳር ናይ ምሕዝነት ምትእስሳር ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ከም ምክልኻል ክብሪ ሰብ፣ ድኻታት ምሕጋዝ፣ ሰላም ምድንፋዕን ከባቢ ምሕላውን ዝብሉ ሓደ ዓይነት ዕላማታት እውን ብሓባር ክንስዕቦ ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሃይማኖታዊ ስኒት ንምዕባይ ዝተጸውዐ
ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ምእንቲ ንሰብኣውነት ሃይማኖታዊ ስኒት ምዕባይ” ናይ ሓባር ጻውዒትናን ኣርእስቲ ናይቲ ሕጂ ዝኸተምናዮ ሓባራዊ ናይ ኣዋጅ ሰነድ እዩ . . . ከምኡ ብምግባርና፡ ነቲ “ብዘሕዝን ኣጋጣሚ ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ሃይማኖት ዕርዲ ብምግባር ዝፍጠር” ብዙሕ መከራ ዘውርድ ዘሎ ቅልውላዋት፡ ውግኣት፡ ግርጭታት ብሓባር ክነወግዶ ንኽእል ኢና” ምስ በሉ
“ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቤተ ዕደና ወርቂ ምዃንካ ሓቂ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝኸበረ ሃብቲ፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ጠንቂ ግርጭት ዝኾኑ፡ ብስምምዕን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክስማዕምዑ ከም ዝኽእሉ ቆራጽነት ምዃኑ ፍለጥ . . . ኣብ ክንድኡ ኩሉ ሰብ በቲ... ሕልሚ ሓራ፡ ሕውነታውን ሰላማውን ሕብረተሰብን ሰብኣውነትን!
ዝብል ኣብ ሓባራዊ ኣዋጅ ኢስቲቅላል ዝተነብረ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ኩሉ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ዝውቱር ዝኾኑ ክብርታት ብኣድማዒ መንገዲ ብምስፋሕ . . . “ባህሊ ዓመጽን ዘይምግዳስን ንምስዓር... ዕርቅን ሰላምን ንምዝራእ” ክንሰርሕ ንኽእል ኢና . . . “ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።