ድለ

2ይ መዓልቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ - ፍትሒ ምቅርራብ ርሕራሔ ከምኡውን ለውሃት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ቀዳም ኣብ ምድሪ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ድሕሪ ምቑጻሮም ብመሰረት መደባት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ዑደታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ወጋሕታ ኣቐዲሞም ምስ ላዕለዎት ኣመሓዳርትን ንሰበ-ስልጣንን እታ ሃገርን ንዲፕሎማስያውያን ኣካላትን ተራኾቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ስርዓት እዚ ወላ እኳ ግቡእ ሥርዓት እኳ እንተ ዀነ ሳላ እቲ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ወጻኢ ቤተ መንግስትን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሕዝቢ ፓፕዋ ብመግለሲ ኽብሪ ቐቢላታቶምን ብሓበን እተሰለሙ ክንቲትን ዕምባባታትን ኣካላቶምን ገጾምን ተሰሊሞም ሰንደቕ ዕላማ ሃገረ ቫቲካንን ፓፑዋንን እናወዛወዙ ባህ ዜብል ተቕባልን ዓጀባን እዮም ኣካይዶም።

ኣብታ ልዕሊ 600 እተፈላለዩ ዓሌታት ልዕሊ 800 እተፈላለየ ቛንቋታት ዝዝረበላ ሃገር ፓፕዋ ኒው ጊኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ በበይኑ ዝዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዘደነቖም ገለጹ ። እንተዀነ ግን ካብቲ ንሓድነት ንምምሕያሽን ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕን ዝገብርዎ ቐጻሊ ጻውዒት ፈጺሞም ኣይግለሱን፣ ካብ ባህርያዊ ጸጋታት እታ ሃገር ዝርከብ ኣታዊ ግቡእ ዝርግሐ ክህልዎ ዓመጻ ንምቍጽጻር ጻዕሪ ኽገብርን ተማሕጸኑ።

ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ምውጻእ ምንጪ ብህርያዊ ሃብቲ እንክካፈላ "ናይቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ኵነታት መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ካብ ኣታዊታቶምን ዕዮኦምን ክጥቀሙ ፍትሓዊ ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ደቂ ኣንስትዮ "ነታ ሃገር ንቕድሚት ዘስጕማ ህይወት ዚህባ ምዕብልቲ ሃገር ዚሃንጻ ከምኡውን ዜዕብያ እየን " ካብ ምባል ውን ድሕር ኣይበሉን ። ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ቀዳማይ መስመር ሰብኣውን መንፈሳውን ዕቤት" ከም ዘለዋ ውን ገለጹ።

ድሕሪ ቐትሪ ንጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተመሃርቲ ዘርኣ ከምኡውን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ረኺቦም ኣብ እተዘራረቡሉ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ማለት ነቶም "ብስነ-ምግባራውን ብኣካላውን መዳይ ብጽልእን ማሪትን " (ሓድሓደ ግዜ ንጥንቈላ ብንጹር ብምጥቃስ) "ሓድሓደ ግዜ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተው" ክኸናኸንዎም ተማሕጸንዎም።

ነቶም ኣብ ሕዳጋት ሕበረተሰብ ዘለዉ "ቅርበትን ርሕራሐን ለውሃትን" ከም ዚህልወኩም ይኹን ክብሉ ውን ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብቲ ብምስክርነት እተለበጠ መሳዅቲ እቲ ቤተ መቕደስ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ቅዱሳንን ሰማእት ልኡካነ ወንጌልን ዝሃብዎ ምስክርነት እምነት ብምድጋፍ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ንክርስቶስ ናብ "ዙርያ እዛ ሃገር እዚኣ" ብምምብጻሕ ነቶም ቅዱሳን ክመስልዎም ኣተባብዕቆም።

"ብዛዕባ እቶም ኣዝዮም ጽጉማት ዝዀኑ ኽፍልታት ህዝቢ ኸተማ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ሓድሓደ ግዜ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዘይብሉ ምሕድግ ዝበለን እተረስዐን ከባቢ ዝነብሩ ሰባት የተሓሳስበኒ ኢዩ።" ክብሉ ውን ዘለዎም ሻቕሎት ቀለጹ።

ቤተ-ክርስትያን "ብፍላይ ምስዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ቅርበት ክህልዋ ትምነ" ብምባል ውን ኣዘኻኸርዎም።

ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚርአን ልብኻ ዝትንክፍን ርክባት ድማ እቲ ነቶም እዚ ምቅርራብ እዚ ምስ ዘድልዮም ሰባት ዝገብርናዮ ርክባት ኢዩ በሉ ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ጐደናታት ዝነብሩ ቘልዑን ስንኩላንን ኣብቲ ኣብ ፖርት ሞረስቢ ዝርከብ ናይ ካሪታስ ቤት ትምህርቲ ኢደ ጥበብ ንቅዱስነቶም ንኽዝምሩን ንኽስዕስዑን ኣባኡ እተረኽቡ ኢዮም ዝነበሩ።

ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዝገብርዎ ድማ ገለ ሒደት ቃላት ጥራይ እዩ ዜድልዮም እቲ ዝዓበየ ግና ክትቀርቦም ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቅዱስነቶም ካብ መንበሮም ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ብምኻድ ከም ዚሓልዩሎምን ከም ዘፍቅርዎምን ንኽርድኡ ስለ ዚገብር ካብ ካልእ ብዝያዳ ዜገድሶም ዋላ ሓደ ካልእ ነገር የልቦን ፣ አረ ኣምላኽ ውን ካብኣቶም ንላዕሊ ዘፍቅሮ የብሉን ።

09 September 2024, 08:54