ድለ

Floods in Poland Floods in Poland   (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣውሮጳ ግዳያት ህቦብላ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ምእንቲ እቶም ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣውሮጳ ግዳያት ማዕበልን ምዕልቕላቕ ማይን ዝዀኑ ሰባት ጸለየሎም ዘለዎም ቅርበትን ድንጋጸን ውን ኣረጋገጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ህቦብላ ንፋስ ቦሪስ ዝኾኑ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብፍሉይ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ሰባትን ምእንቲ ስድራቤቶምን ንጸሊ ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ኣብ ኦስትርያ ሩሜንያ ሪፓብሊክ ቸክ ፖላንድ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ማእከላይን ምብራቓውን ሃገራት ኣውሮጳ ብርቱዕ ዝናምን ውርጭን ከቢድ ጕድኣት ስለ ዘውረደ እንተ ወሓደ 21 ሰባት ሞይቶም ይርከቡ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ በቲ ህቦብላ ንፋስን ብርቱዕ ዝናብን እተጐድአ ኸባቢታት ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ከኣ ንሓደ ወርሒ እዋን ህጹጽ ኵነታት ኣዊጁ ይርከብ ኣሎ። እታ ልዕሊ 600,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኣብ ሃገረ ፖላንድ እትርከብ ከተማ ሮክላው ሎሚ ረቡዕ እውን ምጥልቕላቕ ማይ ክኽሰት ይኽእል ኢዩ ክብሉ ትንቢታት ኩነታት ኣየር የመልክቱ፣ እተን ርእሲ ኸተማታት ስሎቫክያን ሃንጋሪን ዝዀና ብራቲስላቫን ቡዳፐስትን ከኣ እቲ ሰንጢቕወን ዝሓልፍ ፈለግ ዳንዩብ እናወሰኸ ዚኸይድ ብምህላወን ኣብ ተጸንቀጽ ኢየን ዘለዋ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሎሚ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ ንማሕበረሰብ ካቶሊክን ንኻልኦት ወለንተኛታት ውድባትን ስለቲ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት ዝህብዎ ሓገዝ ኣተባቢዕዎምን ኣመስገንዎምን ።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕማም ልምሰት ኣእምሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ዝመጽእ ቀዳም ዕለት 21 መስከረም መዓልቲ ኣልዛይመርስ ዓለም ብምዃኑ "ሕክምናዊ ስነ ፍልጠት ብዝቐልጠፈ ነዚ ሕማም እዚ ንምፍዋስ ተስፋ ኺህቡን ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዚሳቐዩን ንስድራቤቶምን ንምድጋፍ ዝያዳ ግቡእ ስጕምቲ ኺውስዱ ኣለዎም" ዚብል ቃል ምሕጽንታ ውን ኣቕሪቦም።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕማም መልመልስቲ ኣእምሮ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 55 ሚልዮን ሰባት ዘሳቒ ሕማም ኣልዛይመርስን ካልእ ዓይነት ናይ ኣእምሮ ሕማማትን ዘሎ ክበድን ጸቕጥን ንምፍላጥን ንምቅዋምን ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ዝሓትት ዕለት ኢዩ።

ሰላምታ ንሰብ ውፉይ ሕይወት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ኣባላት ማሕበር በነዲክታውያን ከምኡውን ነቶም ዝሃልፈ ቀዳም ዕለት 14 መስከረም እተመርጹ ሓድሽ ጠቕላሊ ርእሰ ኣበምኔታት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም ።

ንዅላቶም "ብናይ ግብረ - ሰናይን ቅንኣት ወንጌላዊ ተልእኾ መንፈስ በነዲክቶሳውያን ኣብ መላእ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ ንምግባር" ገዛእ ርእሶም ክውፍዩ ኣተባብዖዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ቀርሜሎሳውያን ውን መባዅዕቲ ወንጌል ኪዀኑን ምልክት እታ ወትሩ እትጕዓዝ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ኪዀኑን ብምምሕጻን ሰላምታ ኣቅረቡሎም።"

18 September 2024, 16:19