ድለ

FILE PHOTO: Vietnam's export hub factories may face weeks of disruption after Typhoon Yagi FILE PHOTO: Vietnam's export hub factories may face weeks of disruption after Typhoon Yagi 

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ እስያ ምእንቲ ዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም

ደድሕቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲቸስኮ ነቶም ኣብ ቬትናምን ምያንማርን ግዳያት ምጥልቕላቕ ማይ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም ። ንሰላም ጻዕሪ ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘለገስዎ ቃለ ሰላምታን ምሕጽንታን ምስቶም ብሰንኪ ብህቦብላ ንፋስ ያጊ ዚሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ቭየትናምን ምያንማርን ከም ዝለዎም ቅርበት ገለጹ ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ቭየትናም ምዕልቕላቕ ማይን ምህማም ምድርን ስለ ዘስዓበ ዳርጋ 200 ዝዀኑ ሰባት እንክሞቱ 128 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን ዘሎ ። ክሳዕ ዝሓለፈ ዓርቢ እንተ ወሓደ 74 ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ከኣ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናም ዘስኣቡ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብታ ሃገር ከቢድ ባሕርያዊ ሓደጋ ወሪዱ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት "ምእንቲ ምዉታትን ምእንቲ እቶም ዝቘሰሉን ምእንቲ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉን እጽሊ ኣሎኹ " ክብሉ ኣመልከቱ ። "ኣምላኽ ነቶም ፈተውቶምን ቤተሰቦምን  ዝሞትዎም ሰባት ምጽንናዕ ይሃቦም ነቶም ዝሕግዝዎም ዘለዉ ከኣ ይባርኾም" ክብሉ ዝለዎም ቅርበት ገለጹሎም።

'ዓመጻ ኣቋርጹ! ጽልኢ ውን ይኣክል!'

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ብፍላይ ንዩክረይን ምያንማርን ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕ ብምጥቃስ "ነቲ ንዓለም ብደም ዘጨቅዋ ዘሎ ውግኣት ኣይንረስዓዮ" ብምባል ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽህሉ ደጊሞም ምሕጽንታ ኣመሓላለፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ "ኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ግዳያት ይኹኑ ኣለዉ . . . እተን ብውግእ ደቀን ዝሞትወን ኣዴታት . . . ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ይሓጽር ኣሎ" ክብሉ ውን ዝለዎም ጓህን ሓዘንን ገለጹ።

ቅዱስነቶም ብምቕጻል ምስታ ወዳ ሄርሽ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዛን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ምስቶም ሬሳታቶም እተረኽበር ሓሙሽተ እስራኤላውያን ሬስኡ ዝተረኽበ፣ ምስ ኣዲኡ ሬቸል ጎልድበርግ ፖሊን ዝገበርዎ ርክብ ውን ዘከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም "ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት አሰንያ ኣለኹ" በሉ ፣ ምእንቲ እቶም ግዳያት ይጽልዩ ከም ዘለውን ምስ ኵሎም ስድራ ቤታት እቶም ገና ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ዘለዎም ቅርበትን ደገፍን ድማ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልባዊ ምሕጽንታ ብምቕራብ "እቲ ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ የብቅዕ! ዓመጻ የቋርጽ! ጽልኢ ውን ይኣክል!" ድሕሪ ቢሎም ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እኦም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ናጻ ክወጹ ዘተ ክቕጽል ከምኡውን ናይ ሰላም ፍታሕ ክርከብ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ተወሳኺ ምሕጽንታ

ትማሊ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሜክሲኮ እተኻየደ ኣዋጅ ብጽዕና ናይ ኣባ ሞይስ ሊራ ሰራፊን ዝተሰምየ መስራቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ናይ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግልግሎት ዝኾነ ዘከሩ  "ሰባት ኣብ እምነትን ፍቕርን ጐይታ ዕቤት ንኽገብሩ ኣብ ምሕጋዝ ዘሕለፎ ህይወት" ብ1950 ከም ዝሞተ ውን ኣመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ንገዳያንን በጻሕትን ንኽብሪ እዚ ሓድሽ ብፁዕ እዚ ድሙቕ ጣቕዒት ክግበረሉ ብምዕዳም ውን ከምዚ በሉ - "እቲ ሓዋርያዊ ቅንኣቱ ንኻህናትን ንመንፈሳዊ ረብሓ ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእሶም ንኽህቡ ዘለዓዕሎም ኢዩ፡” ክብሉ ውን መስከሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም እቶም ኣብታ ኣብ ኢጣልያ ንኣዓቶም እተወፈየት መዓልቲ ብምዝካር ነቶም  "ብሕማም ሉ ገሪግ " ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ጅማውቲ ሕማም ኣሚዮትሮፊክ ላተራል ስክለሮሲስ ዚሳቐዩ ዝለዉ ዘባት ዘኪሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንታኦምን ስድራቤቶምን ከም ዝጽልዩ ኣረጋገጹሎም ነቲ ሕማም ንምቅላስ ከምኡውን ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ንምሕጋዝ ብወለንታ ዝግበር ምርምርን መጽናዕትን ክግበር ድማ ኣተባብዑ።

16 September 2024, 16:00