ድለ

INDONESIA-VATICAN-RELIGION-POPE INDONESIA-VATICAN-RELIGION-POPE 

ር. ሊ. ጳ. ምስ መንእሰያት ኢንዶነዥያ ብዛዕባ ዘሎ በበይኑ ዝዓይነቱን ሓድነት ገለጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ዘሕለፍዋ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ምስ መንእሰያት ኣባላት ናይ 'ስኮላስ ኦካረንተስ' ተራኺቦም ብዛዕባ ሰላማዊ ህላወ ኣርባዕተ መምርሒታት ኣቅረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ መበል 45 ሓውርያዊ ዑደቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዘካይዱሉ ዝለዉ ብዙሕ ዝተፈላለየ ከም መደብ ዝሓዝዎ ኣኼባታት ኢዮም ዘካይዱ ዘለዉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ጕዕዞኦም ኣዘውቲሮም ዝገብርዎ ምርኻባት ንገለ ኻብቲ ንልቢ ቅዱስ ኣቦና ንዘመነ ጵጳናኦምን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ኣርእስትታት ዘጥቓልል ኢዩ ። ምስ ጭርሖ ህዝቢ ኢንዶነዥያ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸውይድ ውን ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ "ቢነካ ቱንግጋል ኢካ " ወይ ሓድነት ኣብ ፍሉይነት እዩ ዘመልክት ።

እቲ ብቅዱስነቶም እተመስረተ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ውጥን ስኮላስ ኦካረንተስ ንመንእሰያት ኣብ ትምህርትን ስነ-ጥበብን ስፖርትን ኣብ ምክፋል ዘተኰረ ኢዩ። እቶም ካብ እተፈላለያ ደሴታትን ኣብያተ - ትምህርትን ሃይማኖታትን ዝመጹ ካብ ጨንፈር ኢንዶነዥያ ዝኾኑ 200 መንእሰያት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ኣብ ጃካርታ እትርከብ "ግራ ፐሙዳ " እትበሃል ቤተ-መንእሰያት ተኺቦም ሰልምታኦም ኣቕረቡሎም፣ እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ንህዝቢ ኢንዶነዥያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ በበይኑ ዝዓይነቱን ሓድነትን ብልክዕ ዘርኢ ኢዩ ።

ብዙሕ ዝገጻቱ ምስሊ

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ እተኻየደሉ ኽፍሊ ሓደ ምስሊ ብዙሕ ዝገጻቱ ነቲ እተኻየደ ኣኼባ ዓብሊልዎ ነበረ። ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ውሽጡ ክኣትዉ እኳ ከኣሉ ። ካብ ጃካርታ ሎምቦክ ላቡዋን ባዮ ከምኡውን ባሊ ብዝመጹ ልዕሊ 1500 መንእሰያት ኢዮም ድማ ዝገብርዎ። ኣብ ውሽጢ ዓቢይ ህንጻ ድማ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተቐቢለን ሰላምታ ኣቕረባሎም ።

እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ንቅድሱነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፈቶ ተመክሮ መከረትሎም፣ ስለዚ እዚ ድማ ኣዝያ ስለ እተፍቕሮ ብምግላጽ ኣብ ከተማኣ ትምህርታዊ ተቀአም ንኽትምስርት ደፋፍኣ።  ብዛዕባ ኣገዳስነት ስኮላስ ኦካረንተስ ኣብ ህይወታ ቕድሚ ምዝራባ ከም መምህርን ኣማኻሪትን መጠን ዘለዋ ሓላፍነት ውን መስከረትሎም ። "ኵሉ እቲ ኣብ ስኮላስ ኦካረንተስ እተመሃርክዎ ን ተማሃሮይን መሳርሕተይን ኣካፈልክዎም" በለት። "እቲ ኣብ ስኮላስ ኦካረንተስ ካብ ጋንታይ ዝረኸብክዎ ሓልዮትን ደገፍን ምትብባዕን ኩሎም ተመሃሮ ዘድልዮም ልምዲ ክኸውን ኣለዎ" በለት።

ምስክርነት ብራያን

ብራያን "ወላ እኳ እተፈላለና እንተ ዀይና ይኹን እምበር ሓደ ኢና " ብምባል ጭርሖ ናይታ ሃገር ብምድግጋም ፍረ ነገር ሓድነት ኣብ ምስክርነቲ ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኢዩ። ነቶም ተጋባእቲ ኣብ ዙርያኦም ኪጥምቱን ነፍሲ ወከፎም ንሓድሕዶም ኪጸናንዑን ውን ሓተቶም ። ይኹን እምበር ኣስዕብ ኣቢሉ "ገለ ዝጐደለ ነገር ኣሎ" ብምባል ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና ውን በለ።

ብራያን ብዛዕባ ኣድልዎን መስመር ኢንተርነት ምጥቃምን ከምኡውን ኣብ ስኮላስ ኦካረንስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕን ክፉእን ተመክሮኡ ንኼካፍልን መድረኽ ከም ዚወሃቦ ተዛረበ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ንብራያን መልሲ ኣብ ዝሃቡሉ ብዛዕባ ህላወን ሰላምን ዝገልጽ ኣርባዕተ መሰረታዊ ስርዓታት ተዛረቡ - ሓቂ ኻብ ሓሳባት ይሓይሽ ሓድነት ካብ ግጭት ይሓይሽ ምሉእ ነገር ኻብ ሓደ ጭራም ይሓይሽ ብተግባር ከአ ካብ ሓሳብ ይሓይሽ በሉ።

ክርስቲን ዝሃበቶ ምስክርነት

ክርስቲን እትበሃል መንእሰይ እውን ምስክርነት ኣቕረበት ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ብመስመር ኢንተርነት ዝግበር ዓመጻ ተመኪረዮ እየ " ክትብል ነገረቶም ። "ብዘይ ምኽንያት ተነጽሎን ውርደትን ተቐቢለ ኢየ" በለት። ክርስቲን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ከምዚ ከም ዘጋጥሞም ብምፍላጣ ከም ዘተሓሳሰባ ገለጸት ።

ክሪስቲን ግና ሰባት እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዚኸፋፍል ፍልልያት ሓድነት ከም ዘለዎ ኺፈልጡ ኸም ዚኽእሉ ብስኮላስ ኦካረንተስ ኣቢላ ገለጸት ።  "ፍልልያትና ኸነሕብሮ ማእሰር ሓድነት ክንሃንጽ ከምኡውን ፍልልያት ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ መገዲ ዘይኰነስ ናብ ሓድነት ዚመርሕ ስጕምቲ ምዃኑ ኽንርዳእ ተማሂርና ኢና" በለት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኵላትና ሕደ እንተ ንኸውን ኔርና እዚ ዜሰልኪ ምዀነ ነይሩ ። ፍልልይ ውግእ ኬለዓዕል ወይ ከኣ ናብ ዘተ ክመርሕ ይኽእል - ንሕና ግን ክንመርጽ ኣሎና ። ውግእ ወትሩ ስዕረት ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ምስ ኣዕሩኽትኻ ምምይያጥ ባህ ዘብል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ከም እትዓቢ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ ። "

06 September 2024, 06:24