ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ሲንጋፖር ነቲ ደቂ ሰብ ኪረኽብዎ ዘድልዮም ነገራት እተንጸባርቕ ብርሃን እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ሰበ - ስልጣን ሲንጋፖርን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ከምኡውን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም መደረ ንዕቤት ሲንጋፖርን ተጻዋርነትን ከምኡውን ንማሕበራዊ ፍትሕን ዘለዋ ቘራጽነት ኣሞጊሶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሰበ - ስልጣን ንተወከልቲ ሲዊላዊ ማሕበረሰብን ከምኡውን ንኣባላት ዲፕሎማሲያውያን ኣካላትን ሃገራዊ መንበረ ጥበብ ሲንጋፖርን ኣብ ዘቕተቡሎም መደረ ነቲ መራሕቲ ሃገር ዝለገሱሎም ምዕሩግ ተቕባል ኣመስገንዎም።

ኣስዒቦም ድማ ነቲ ሲንጋፖር ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዋ ፍሉይ ግደ ብምጕላሕ "ቀዳማይ ኣገዳስነት ዘለዎ ንግዳዊ መስቀላዊ መገድታትን ነቲ እተፈላለዩ ህዝብታት ዚራኸቡሉ ቦታን" ምዃና ኣጕልሑ።

ዕቤትን ተጻዋርነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም ነቲ እታ ሃገር ኻብ "ትሑት መበቈላ" ዝገበረቶ ለውጢ ኣጕልሑ፣ ነቲ ንኸተማዕብሎ ዝሓገዛ "ውጥናትን ተበግሶታትን ንምፍጻም ዝገበረቶ ዘይነቓነቕ ቈራጽነት" ድማ ነኣድዎ። እዚ ዕቤት እዚ ብኣጋጣሚ ዝተበጽሐ ዘይኰነስ "ርትዓዊ ውሳነታት" ብምግባርን ብጥንቃቐ መደብ ብምግባርን ከም እተረኽበ ገለጹ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ሲንጋፖር ዝነበረ ሊ ኩዋን ዩ ብምዝካር ዘርኣዮ ንኡድ መሪሕነትን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቕልጡፍ ዕቤትን ለውጢን ብኸመይ መሰረት ከም ዘንበረ ኣጕልሑ ።

ሓባራዊ ረብሓ ምድላይ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ሲንጋፖር ዝገበረቶ ተወፋይነት ንቝጠባዊ ዕቤት ጥራይ ዘይኰነስ ንማሕበራዊ ፍትሕን ሓባራዊ ጥቕምን እውን ምዃኑ ገለጹ ። ኵሎም ዜጋታት እታ ሃገር በቲ ዝረኸብዎ ዘዕግብ መንበሪ ኣባይትን ብሉጽ ትምህርትን ከምኡውን ስሉጥ ኣገባብ ክንክን ጥዕናን ፖሊሲታትን ኣቢሎም ካብ ምዕባለ ንኺጥቀሙ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እዚ ጻዕርታት እዚ "ኵሎም ሲንጋፖራውያን በዚ ምዕባሌታት ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚጥቀሙ" ኸም ዚቕጽል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብዛዕባ ተግባራዊ ኣተሓሳስባ ወይ ብዛዕባ ውጽኢታት ልዕሊ ዅሉ ዝግብኦ ቦታ" ክይህቡ እውን ኣጠንቀቑ እዚ ድማ ከይተረድኣካ ንገለ ሰባት ናብ ምግላል  ክመርሕ ከም ዝኽእል ገለጹ። ኣብዚ መዳይ እዚ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዚገብርዎ ንድኻታትን ንኣረጋውያንን ምዝካር ንኽብሪ ስደተኛታት ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ። "እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ንማሕበረሰብ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም፣ ብፍትሓዊ ደሞዝ ከም ዝኽፈሎምን ከምኡ  ድማ ውሕስነት ክወሃቦም ኣለዎ" ክብሉ ለበዋ ኣቕረቡሎም።

ማሕበራዊ ስኒን ውህደትን ኣብ ቴክኖሎጊካዊ ምዕባለታት

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ኣብ ዘመነ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለ ሓቀይና ሰብኣዊ ርክባት ምምስራት ኣድላዪ ምዃኑ ንምጕላሕ እተወሰነ ግዜ ወሰዱ። ሲንጋፖርውያን ንውልቀ-ሰባት ብዘይተረጋገጸን ሓሶትን ክውንነት ብዘይኮነን ነገራት ኣብ ክንዲ ተነጽሎ ዘውርዱሎም "ምርድዳእን ሓድነትን ንምድንፋዕ" ንተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ክጥቀሙሉ ተማሕጸንዎም።

ኣብ ሲንጋፖር እተፈላለዩ ዓሌታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ከም ዘለው እውን ጠቐሱ ቅዱስነቶም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ዅሉ ተግባራት "በቶም ምስ ኵሎም ሃናጺ ምይይጥ ዝገብሩ ሰበ - ስልጣን ብዘይ ኣድልዎ ዝግበር ኢዩ ። " እዚ ሓባራዊ ምክብባርን ዘተን ከምኡውን ምትሕብባር እዚ "ካብ ግጭትን ሕንፍሽፍሽን ንምርሓቕ" ከምኡውን ዕቤት ሚዛናውን ቀጻልን ኰይኑ ከም ዝቕጽል ንምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

ቆራጽነት ንኣከባብያዊ ቀዋምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ መደረኦም ሲንጋፖር ንኣከባብያዊ ቀዋሚነት ዝገበረቶ ቘራጽነት ኣመስገንዎም፣ ንኣሽቱ ሃገራት እውን ከይተረፋ ምስ ኣከባብያዊ ቕልውላው ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብኸመይ ዓቢ ጽልዋ ኽገብራ ከም ዝኽእላ ዘርኢ ኣብነት ምዃኑ ድማ ገለጹ። ሃገረ ሲንጋፖር "ንኣከባብያዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ሓድሽ መልሲ" ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኽትቅጽል ጻውዒት ኣቕረቡላ፣ ጻዕርታቶም ንኻልኦት ሃገራት እውን ከምኡ ንኽገብራ ክድርኸ ከም ዝኽእል ውን ኣዘኻኸርዎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣምላኽ ንመራሕቲ ሲንጋፖር ነቲ ንህዝቦም ዜድልዮም ነገራትን ትጽቢታትን ምላሽ ንኺህቡ ኪመርሖም ጸለዩ፣ እቲ እታ ሃገር ቀጻሊ ጻዕሪ ብምግባር ንሓባራዊ ረብሓ ዅሎም ደቅሰት "መንፈስ ስኒትን ሓድነትን" ምንጽብራቕ ከም እትቕጽል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

"ኣምላኽ ንሃገረ ሲንጋፖር ይባርኻ!" ብምባል ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

ርክብ ቅዱስ አቦና ምስ መራሕቲ መንግስትን ሲቪላውያን ኣካላትን ኣብ ሲንጋፖር
12 September 2024, 14:55