ር.ሊ.ጳ. ቅድስተ ማርያም ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንዝገበረትሎም ሓለዋ የመስግኑ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሮማ ምስ ተመልሱ ቅድሚ ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ምእታዎም ናብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም፥ ኣብ መላእ መበል 46 ናብ ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንዝገበረትሎም ሓለዋ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዕለት 29 መስከረም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ናብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ንሓጺር እዋን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ኣብ ቤተ ጸሎት ጎርጎርዮስ ኣብ ዝርከብ መሰውኢ ፊት ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን እግሪ ዕንበባታት ኣንቢሮም፡ ኣብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንዘሀለወትሎም ኣደኣዊ ሓለዋ ኣመጊኖም፡ ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ከም ዝኣተዉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ንሓዋርያዊ ዑደት ሃገራት ቅድሚ ምቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ሓጺር መንፈሳዊ ንግደት ከም ዘካይዱ የዘኻኽር።
30 September 2024, 16:49