ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን፡ መሰኻኽር ትብዓትን ጽባቐን ተስፋን ኩኑ!

ኣብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳት ፓፑዋ ኒው ጊኒን ደሴታት ሰሎሞንን ከምኡ’ውን ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኩሉ ግዜ ሓድሽ ጅማሮ ኣብ ምግባር ተባዓት ክኾኑ ዓዲሞም፡ ናይ ህልዎት ጽባቐ ምክፋል፤ ከምኡ’ውን ኣብ ፍረ ተልእኾኦም ተስፋ ክዕቅቡ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓደ ካህንን ሓንቲ ድንግልን ኣብ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ወኪልን ዓለማዊ ምእመን ምምህር ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ በብኣገልግሎቶም ዘጋጥሞም ብድሆታት ብምምልካት ድሕሪ ዘቕረብዎ ቃል ምስክርነት፣ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ንዝርከቡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉስነት . . . ሓድሽ ጅማሮታት ብምግባር፡ ጻዕሮም ፍረ ክፈሪ ምዃኑ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ተስፋ ሒዞም ድማ ክጓዓዙ ደጊሞም ሓደራ ከም ዝበሉን ብቅድስት ድንግል ማርያም ተደሪኹ ንኽብራ ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ዘገልገለ ታሪኽ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ዘኪሮም፥ “ማርያም ህንጸት ቤተ ክርስቲያን ክሳልጥ ትብዓት እንተሃልይዎ ዓበይቲ ጸጋታት ከም ዝውሕዝ ቃል ኣተወትሉ” ቢሎም፥ እቲ ቃል እዚ፡ እዚ ዝተሃንጸ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ንኽህነጽ ዝደረኸ ኣስተንፍሶ እዩ . . . ከምኡ’ውን “ንዓና ምሳሌ ናይ ሰለስተ መዳያት ናይ ተልእኾ ወንጌል ጉዕዞና ክኸውን ይኽእል’ዩ - ቢሎም - ኣብዚ ሕጂ ዝሰማዕናዮ ምስክርነት ጎሊሑ ዝረኣናዮ: ትብዓት ምጅማር፣ ጽባቐ ናይ ምህላው፣ ከምኡ’ውን ናይ ምዕባይ ተስፋ” ዝብል፥

ሓድሽ ንምጅማር ኩሉ ግዜ ድሉው ምዃን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ወጻእተይናታትን ደቀባትን ንእምነት ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዘምጽኡን ዋላ እኳ እቲ ቀዳማይ ጻዕሮም ዝፈሸለ እንተመሰለ ተስፋ ዘይቆረጹ ምንባሮም ድማ ኣመስጊኖም፡

"ሳላኦም ኢና. . . ኣብዚ በጺሕና ዘለና፡ ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን'ዚ ብድሆታት እንተሃለወ . . . በይንና ከምዘይኮንና ፈሊጥና ብዘይ ፍርሒ ንቕድሚት ምጉዓዝ ይግባእ" ኢሎም።

ካብቶም ኣብ ወሰናስን ዘለዉ ጀምር

ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ‘መጀመርታ’፡ ካብቶም ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ዘለዉ ምጅማር ዝብል ክኸውንን፡ ኣብ ወሰናስን ህላወን ከተማታትን ይኹን ኣብ ኣዝዩ ርሑቕን ዝተደርበየን ከባቢታት ካብ ዝርከባ ሃገራትን ህዝብን ክጅምሩ ሓሳብ ከም ዘቕረቡን ቅዱስነቶም ቀጺሎም፥ “

ናይ ህልዎት ጽባቐ

ናብቲ ካልኣይ ነጥቢ ብምስጋር - ናይ ህልዎት ጽባቐ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ “ብዓይኒ ኣቦ እቲ ዝጸበቐ ሃብቲ ኢና” ብምባል ኣረጋጊጾም፣ “ንኢየሱስ ብሓባር ብምስዓብን ወንጌሉ ምእዋጅን” ዘለዎ ጽባቐ ንኹሉ ከምስክሩ ዓዲሞም . . . ጽባቐ ህልዎተ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዓበይቲ ፍጻመታት ከም ዘይርከብ፡ “ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ መዓልታዊ ብሓባር ክንዓቢ እንጽዕረሉ ተኣማንነትን ፍቕርን” ዝርከብ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥

ናይ ምብራኽ ተስፋ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "ኣብ ምስልታት" ቤተ መቕደስ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብእምነት ፍረ ዘፍረዩ ኣበው ብሉይ ኪዳን ዘርይ ቅዱሳት ምስልታት ጠሚቶም፥ "እዚ ኣገዳሲ ምልክት ኢዩ ከመይሲ ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣብ ፍረ ናይ ጉስነትና ምትእምማን ክህልወና የተባብዓና ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ትብዓትን ጽባቐን ተስፋን መሰኻኽር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ፍሉይ መገዲ ኸነጓንፎም ዘይንደሊ ቦታታት እውን ከይተረፈ ጸገማት ወይ ግጉይ ምርዳእ ኣብ ዘለሉ ተስፋ ኸይቈረጽና ብትዕግስቲ ኣብ ወንጌላውነትና ንቐጽል . . . ምስ በሉ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝርከቡ ካህናትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ዝነጥፉን "ከም መሰኻኽር ትብዓትን ጽባቐን ተስፋን መጠን ኣብ ተልእኾኹም ቀጽሉ" እንክብሉ ተማሕጺኖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

07 September 2024, 15:59