ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነት ኣብ ምሕላም ተባዕ ምዃን!

ፍራንቸስኮ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ኣብ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 60 ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ህይወት ምእመናን ነቲ ብኢየሱስ ዝተኣወጀ ቃል ምስማዕን ምንባርን ከምዘድሊ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቃል ምስማዕን ቃል ምንባርን” “ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክንከውን ዘኽእሉና ክልተ መሰረታውያን ኣመለኻኽታ እዮም” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስክበት ገሊጾም፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘካልካታ ዝቐረበ ንባብ ወንጌል ከስተንትኑ ከለዉ፡ “ልቢ ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ንባህጊ ሓጐስ ክምግብ ዝኽእል ሓቂ ይደሊ” ክብሉ ኣስተብሂሎም። እቲ ሓቂ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ እምበር፡ ብቓላት ደቂ ሰባት ጥራይ ክርከብ ከም ዘይክእል፡ “እቲ እንኮ ሓቀይና ቡሶላ ንጉዕዞና፡ ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ቁስልን... ምድንጋራት ዝመርሓና እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነብስኻ በቲ ቃል ክትብዳህ ፍቐድ

ፍራንቸስኮ ከም ደቀ መዛሙርቲ ቀዳማይ ዕማምና ከምቲ ጴጥሮስ ኢየሱስ ኣብ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኮይኑ ክሰብኽ እንከሎ ዝገበሮ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ቅዱስነቶም “ናይ እምነት ሕይወትና ዝጅምር፡ ንኢየሱስ ኣብ ጃልባ ሕይወትና ብትሕትና ምስ እንቕበሎ፡ ቦታ ምስ እንህቦ፡ ቃሉ ኣብ ምሰማዕና፡ ብእኡ ኣብ ሕቶ ክንኣቱ፡ ክንብዳህን፡ ክንልወጥ ምስ እንፈቅድ እዩ።”

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ቃል ኢየሱስ ክንሰምዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንነብሮ’ውን ዝተጸዋዕና ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጎይታ ንጴጥሮስ፥ “ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ”  ምስ በሎ እምነት ኣሕዲሩ ኣብ ቃሉ ተኣማሚኑ እዩ፣ ንሕና’ውን “መርበብ ወንጌል ብትብዓት ናብ ባሕሪ እቲ... ዓለም ንዘርግሓዮ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ጻውዒት ንምንጻግ ኩሉ ግዜ መመኽነይታ ክንረክብ ከም እንኽእል ብምግንዛብ፡ ድሕሪ ናይ ውድቀትን ተስፋ ምቑራጽን ጸላም ሕይወትን እውን እንተኾነ ንጻውዒት ጐይታ ናይ ዝተኣዘዘ ጴጥሮስ ትሕትናን እምነትን ክንሓቊፍ ዓዲሞም፡ ንቃላት ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ዘኪሮም፡ “ንህቦ ነገር ኣብ ዘይብልና እዋን፡ እቲ ዘሎና ዋላ ሓንቲ ንሃብ። ዋላ ሓንቲ እኳ እንተ ዘይዓጸድኩም፡ ካብ ምዝራእ ፈጺምኩም ኣይትደክሙ” ከም ዝበለቶ።

ናይ ሰላም ስልጣነ ምሕላምን ምህናጽን

ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ “ዝተኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን” ንዓኻትኩምን ነዛ ሃገርኩም እዚኣ ክብለኩምን ክብሎን ዝፈትዎን፣ ነተን ዘደንቓ ዴሴታትኩም፣ ብመርከብ ምጉዓዝን መርበብኩም ናብ ባሕሪ ምድርባይን ኣይትድከሙ፣ ምሕላም ኣይትድከሙ... እንደገና ናይ ሰላም ስልጣነ ንምህናጽ!”

“ኩሉ ግዜ ሕውነት ናይ ምሕላም ድፍረት ድማ ይሃልኹም!”

ብምቕጻል፡ “ዘርኢ ፍቕሪ ክትዘርኡ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ እምነት ብምኽባር መንገዲ ዘተ ከተረጋግጹ፡ ብባህርያዊ ፍሽኽታኹም ሰናይነትኩምን ሕያውነትኩምን ከተርእዩ አተባብዓኩም” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 September 2024, 15:54