ር.ሊ.ጳ. ንህዝቢ ቲሞር-ለስተ፡ እምነትኩም ባህልኹም ይኹን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ መንግስቲ፣ ንወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ኣብ ቲሞር ለስተ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ህዝቢ ቲሞር መትከላቱ፣ ውጥናቱን ምርጫታቱን ብእምነቱ ክድረኽ ክፈቕድ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ሃገር ናጽነታ ንኽትዕወት ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ዘካየደቶ ቃልሲ፡ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ረኺባ ሓድሽ ምዕራፍ ምዕባለ፡ ናይ... ዝተመሓየሸ ኩነታት መነባብሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ናይቲ ዘይተበላሸወ ጽባቐ ናይዛ መሬትን ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጸጋታታን ንምድናቕ” ከም ዝበቐዓትን ዳግማይ ከም ዝተንሰትን የዘኻኽሩ።

ሓድሽ ወጋሕታ ሰላምን ሓርነትን

ኣብ መወዳእታ ኣብ ቲሞር - ለስተ ድሕሪ ናይ... “ጸልማትን ጽንኩራትን መዓልታት”፡ ህዝቢ ቲሞር ኣብቲ “መዓታዊ” እዋን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ተስፋ ከምዘይጠፍአ ኣስሚሮም፡ “ምስ ኣብ ኢንዶነዥያ ዘለዉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ምሉእ ዕርቂ ንምምጻእ ዝገበሮ ትጉህ ጻዕሪ” ድማ ንኢዶም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እግዚኣብሔር “ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ኣብ ዝፍጸም ካልእ ግጭታት፡ ድሌት ሰላምን ንጽህናን ከዕወት” ንጸሊ።

ሓደስቲ ብድሆታት

ቅዱስነቶም  “ሓድሽ ኣድማስ” ኣብ ዘስተብሃሉሉ እዋን፡ ስደት ሓዊሱ “ሓደስቲ ክብድሁን ክፍትሑን ዘለዎም ዘጓንፉ ዘለዉ ጸገማት ከም ዘለዉ እውን ኣሚኖም፤ ድኽነት ብፍላይ ኣብ ገጠር፤ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምጥቃም፤ ከምኡ’ውን ንመእሰያት ዝጸልው ዘሎ ናይ ገበን ጕጅለታት ጠቒሶም፥

“ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ነታ ሃገርን ህዝባን ዘብረሀን ዘጽንዓን እምነት ንህሉውን መጻእንካ ዘነቓቕሕ ይኹን”

“እምነትኩም ባህልኹም ይኹን” ብምባል ኣተባብዖም፣ ወሲኾም ድማ “ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ መትከላትን ውጥናትን ምርጫታትን የነቓቕሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ትምህርቲ

ልክዕ ነቲ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምግጣም ብፍላይ ኣብ መጻኢ ሃገር ክመርሑ ዝጽውዑ ሰባት ብጥበብን ትምህርቲ ዝተሃንጹ ክኾኑ ይግባእ፥ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምቛም - ሕንጸት መሰረት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም፡ “ተወሳኺ ምዕባለ ዝምስረተሉ መተካእታ ዘይብሉን እሙንን ዓንዲ ምዃኑን” ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ኣገባባት ንዘይነጻጸል ውሁድ ምሉእ ኩለንተናዊ ምዕባለ ዝድግፍ ድዩ ዝዕንቅፍ ንምውሳን ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምኽንያታት ተስፋ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ልዕሊ 65 ሚእታዊት ህዝቢ ትሕቲ ሰላሳ ዓመት ዝዕድመኡ ዝኾነ ህዝቢ ቲሞር - ለስተ መንእሰያዊ ወጅሁ ብምምልካት” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መንእሰያት፡ ኣብ ኣፍራይነቱን ብልሓቱን፡ ካብ ተመኩሮን ጥበብን ኣረጋውያን ከመሃሩ ድማ ተላብዮም፥ “እዚ ኒሕን ጥበብን ብሓባር ዓቢ ጸጋ ኮይኑ፡ ንልምሰት ኣይፋል ንምባልን ኣዝዩ’ውን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይፋል ንምባል የብቅዓና”።

ንቲሞር - ለስተ “ኣብ ግዜ ዓቢ ጸበባ ንዝነበረቶ ትዕግስቲ፡ ቆራጽነትን ጅግንነትን” ብምንኣድ፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረጋገጸ፡ "ህዝቢ፡ ብብልሕን መሃዝነትን፡ ናይ ሎሚ ጸገማትን ብድሆታትን ክገጥሞ ከም ዝኽእል ንምእማን ምኽንያት ኣሎ" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 September 2024, 15:20