ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቲሞር-ለስተ ምስ ሰብ ውፉይ ሕይወትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቲሞር-ለስተ "ኣብ ጽንፊ" ዓለም ስለ እትርከብ ኣብ "ማእከል ወንጌል" ዘላ ኢያ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ምብራቕ ቲሞር ዝርከቡ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡ ውን ንመምህራትን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገሱሎም መደረ ቲሞር-ለስተ ኣብ ዝተገለለ ቦታ ዓለም እኳ እንተ ሃለወት ኣብ ወንጌል ቀንዲ ኽፋሊ ከም ዘለዋ ገለጹ፣ እዚ ወንጌል እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዉ ደቂ ሰባት እዩ ዜተኵር በሉ።
ኣብ ጽንፊ ምድሪ ግን ኣብ ማእከል ወንጌል
ቅዱስነቶም ካብቲ ብፁዕ ኣቡነ ኖርበርቶ ዶ ኣማራል ብዓል ማልያና ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቲሞር-ለስተ ከም መእተዊ ሓሳባት ንዝበልዎ ብምጥቃስ "ኣብ ልቢ ክርስቶስ 'ህላወ ናይቶም ኣብ ሕዳፋት ዘለዉ ሰባት' ማእከል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" በሉ።
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሞም ሓንቲ ካብ ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኾና ድንግልን ሓደ ካህንን ሓደ መምህርት ትምህርተ ክርቶስ ዝሃብዎ ምስክርነት አገልግሎታቶምን ብድሆታቶምን ኣስተንተኑ። ማርያም ብዓልቲ ቢታንያ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተነግረና ብኽቡር መዓዛ ዘለዎ ጨና ንኣእጋር ኢየሱስ ከም ዝሓንሰሰት ዚገልጽ ዛንታ ኣዘንተዉሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ዛንታ ነዚ "ምኡዝ ሽታ ክርስቶስን ወንጌሉን ክንዕቅቦን ናብ ኵሉ ከነብጽሖን ዘሎና ውህበት እዩ" በሉ።
ነቲ ናይቲ ኸባቢ ዝኾነ ዕንጨይቲ ሰንደል ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሞም ንካህናት ቲሞርን ንኣባላት ውፉይ ሕይወትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን "ምኡዝ ሽታ ክርስቶስ" ምዃኖም ብምግንዛብ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ተማሕጸንዎም።
"ከም ማርያም በዓልቲ ቢታንያ ... ንሕና እውን መዓዛ ናይቲ ጐይታ ዝቐብኣና ፍቕሪ ምእንቲ ኸይትሃስስን መዓዛኡ ምእንቲ ኸይትጠፍእን ኣርዚና ክንዕቅቦ ኣሎና"በሉ።
ምኡዝ ሽታ ናይ ወንጌል ምዕቃብን ናይ ምንጻሕ ባህልን
ቅዱስ ኣቦና እዚ ምኡዝ ሽታ እዚ ንብሕታዊ ጥቕሞም ዘይኰነስ "ኣእጋር ክርስቶስ ንምቕባእ ወንጌል ንምስባኽ ንድኻታት ንምግልጋልን" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም፣ ካብቲ "ወትሩ ተሓቢኡ ዘሎ ልብጥ ዝበለ መንፈሳዊ ማእከላይነት" ንቑሓት ክዀኑ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ንባህሎም ካብቲ ምስ ትምህርትታት ክርስትና ዝጋጮ "ጥንታዊ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ማሪታዊ ልምድታትን ሥርዓታትን" ንምጽራይ ኣብ ፍልጠት ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነትን ሃይማኖትን ቀጻሊ ዕቤት ከም ዘድሊ ኣጕልሑ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንከም ኣብ ትንሳኤ ምእማንን ንነፍሲ ምዉታት ምኽባርን ዝኣመሰለ ባህሎም "ሠናይ" ዝኾነ መዳያት ኣኽቢሮም ንኽርእይዎ ኣተባብዕዎም ።
"ነፍሲ ወከፍ ባህልን ማሕበራዊ ጕጅለን ንጽህናን ዕቤትን የድልየና እዩ" (ናይ ወንጌል ሓሴት፣ 69)"
ንወንጌል ናብ ኵሉ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ኣብ ቲሞር-ለስተ ዘለዉ ካህናትና ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን "ምኡዝ ሽታ" ወንጌል ብቕንኣትን ብትብዓትን ክሰብኩ ከምኡውን ብርቱዕን ተልእኾ ወንጌላዊ መንፈስን ክቕበሉ ኣተባብዕዎም። ማርያም ኣላባስጥሮስ ዝሓዘ ብልቃጥ ሰቢራ ንኢየሱስ ከም ዝቐብኣቶን ነቲ ክብርቲ እናቴ ሮዛ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት ብዛዕባ እታ "ዕትጕዓዝ ዘላ ቤተ-ክርስትያን" ከም ምሳሌ ጠቒሶም። "ወንጌላውነት ነቲ ምኡዝ ሽታ ዘለዎ ብልቃጥ 'ኽንሰብሮ' ትብዓት ምስ ዚህልወና፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዚዓጽወና 'ድርዒ' ብሕታዊ ድሌታትና ምስ እንሰብሮ ኢና ነዚ እነማልእ" በሉ።
ስለዚ እቲ ምኡዝ ሽታ ወንጌል ንሓያሎ ዓመታት ውግእ ምስ ኣሕለፈ ዕርቅ ሰላምን ርሕራሐን ፍትሕን ከም ዚሰፍን ንምግባር "ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ክርስትና እተመስረተ" ኣብታ ሃገር ንዚግበር ተልእኾ ወንጌል "ሓድሽ ሓይሊ" ኸም ዜድልዮ ውን ኣጉልሑ ኣጕልሑ።
ንዓመጻን ድኽነትን ንምቅላስ ሓድሽ "ሓይሊ" ወንጌላውነት
ምኡዝ ሽታ ወንጌል "ንድኻታት ብእሮም ደው ንኽብሉ ዝሕግዞም" ምኡዝ ሽታ ርሕራሔ ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ ንማሕበረሰብ ምብራቕ ቲሞር ዝትንክፍ ከም ዓመጽ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ከምኡውን ንዕቀት ደቂ ኣንስትዮ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ጸገማት ንምቅላስ ድማ እዚ ምዑዝ ሽታ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።
ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድሽ ሕብረተሰብ ናይ ምፍጣር ሓይሊ ኣለዎ"ድማ በሉ።
ነዚ ንምግባር ከኣ ቲሞር-ለስተ "ርሕሩሓትን ድልዋትን መሃዝትን" ካህንት ሰብ ውፍይ ሕይወትን መምህራን ትምህርተ ክርቶስን የድልይዎም ኢዮም።
ካህናት ምልክት ምሕረት ኣምላኽ ኪዀኑ ኣለዎም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ንካህናት ብምጥቃስ ትሑታት ክዀኑ ከምኡውን ነቲ ዘለዎም ግደ ንብሕታዊ ረብሓ ወይ ንማሕበራዊ ክብሪ ኸይጥቀሙሉ ተማሕጸንዎም - "ወትሩ ኽትባርኹን ከተጸናንዑን ኣሎኩም፣ ወትሩ ኣገልጋሊ ድንጋጽን ምልክት ምሕረት ኣምላኽን ኩኑ” ክብሉ መዓድዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝርርቡ ብቓላት ክቡር ኣባ ሳንኮ ዛዘምዎ፣ ኣባ ሳንኮ ድማ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ "ኣምላኽ ነቶም ዝጸውዖምን ናብ ተልእኾኡ ዝለኣኾምን ብኸመይ ከም ዝከናኸኖም ይፈልጥ ኢዩ" ዝብልዎ ኣዘኻኸርዎም።