ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ፓፑዋውያን: ምክፍፋል ዘይኮነስ ስኒት ምረጹ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝመጹ መንእሰያት ኣብ ፖርት ሞርስቢ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ጆን ጒይስ ብምርኻብ ነቶም መንሰያት “ቋንቋ ፍቕርን ኣገልግሎትን” ክመሃሩ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርት ሞርስቢ ኣብ ዝርከብ ጆን ጒይዝ ናይ  ስፖርት ሜዳ ንዝተኣከቡ 10 ሽሕ ዝግመቱ መንእሰያት ብዘተ መልክዕ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ንስኻትኩም ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ዘለኹም ልዕሊ 800 ቋንቋታት እትዛረቡ፡ ናይ ሓባር ዝኾነ ‘ናይ ፍቕርን ኣገልግሎትን’ ቋንቋ እትዛረቡ ኢኻትኩም” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሽግር መንእሰያት

ቅዱስነቶም ድሕሪ ብባህላዊ ሸብሸቦ ዝተሰነየ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምርኢት ምስ ቀረበ፡ ናይ ሰበኻ ኪምቤ ጳጳስ ጆን ቦስኮ ኣውራም ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፥

ንመንእሰያት ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዘጋጥሞም ዓበይቲ ብድሆታት፡ ከም ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶምን ሕብረተሰቦምን ክርስትያናዊ ክብርታት ምንባር፡ ድሩት ዕድላት ዕብየትን ምዕባለን፡ ከምኡ’ውን ካብ ዘይተማልአ ትጽቢታት ሕብረተሰብ፡ መንግስቲ፡ ዋላ’ውን ቤተ ክርስቲያን ዝፈጥረሎም ጓሂ ከም ዝገለጹሎምን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ምስክርነት

ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ፥ ቀዳማይ ምስክርነት ካብ ኣባል ማሕበር ሰብ ሞያ ካቶሊካውያን ፓትሪሲያ ሃሪክነን-ኮርፖክ፡ ኣብቲ ብመዘናግዒ ኢንዱስትሪ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን እደ ጥበብን ኣዝዩ ዝተጸልወ ሕብረተሰብ፡ እምነትን ስነ ምግባርን ካቶሊክ ምምስካር ዘጋጥም ብድሆታት ከትሕብር እንኮላ፡ ኣስዑቡ ራያን ቩሉም ኣብ ዝተበታተነት ስድራቤት ዘጋጠሞ ከቢድ ናይ ቁልዕነት ተመኩሮ ከም ዘካፈለን ቤተክርስትያን መዕቆቢኡ ከም ዝኾነቶ ድማ ከም ዝገለጸን፡ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብዙሓት መንእሰያት ምስ ተመሳሳሊ ብድሆታት ከም ዝቃለሱን ምስ ዝተፈላለዩ ወይ ዘይርከቡ ወለዲ ንኽዝትዩ ከም ዝጽገምን እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምጥቃም ዕጸ ፋርስን፡ ንዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ተስፋ ንምቑራጽን ዝድርኽ ምዃኑ የመላኽቱ።

ናይ መወዳእታ ምስክርነት ካብታ ኣባል ማሕበር ስራዊት ማርያም ዝኾነት በርናዴት ቱርሞኒ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ግህሰት ኣብ መንእሰያት ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ክትዛረብ እንኮላ። "እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ድማ ዘይተፈቐሩን ኣልቦ ሰብኣዊ ክብሪ ኮይኑ ይስምዖም፡ እዚ ድማ ናብ ርእሰ ቅትለት ወይ ካብ ስድራ ቤቶም ክሃድሙ ክድርኾም ከም ዝኽእል ገሊጻ፥ፓፑዋ ኒው ጊኒ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እኳ እንተሃለዋ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኽነት እውን ኣጉሊሓ፡ ብዙሓት መንእሰያት ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ንግድ ዕጸ ፋርስ፡ ዘመተን ወይ ግዳም ሓደር ንምዃን ሓደጋ ከም ዘቃልዖም ትገልጽ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “ንመጻኢ ብናይ ተስፋ ፍሽኽታ ግጠሙ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወገኖም ኣብታ ውቅያኖሳትን ኣኽራንን ትሮፒካዊ ኣግራብን ዘለዋ ሃገር ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብምርኻቦም ዝተሰምዖም ሓጎሶም ገሊጾም። ፓፑዋ ነው ጊኒ ብመንእሰያት ዝተመልአት መንእሰይ ሃገር ምዃናን “ንመጻኢ ብተስፋ ፍሽኽታ ንኽትገጥም” ከምዝተጸዋዐትን ኣመልኪቶም፥ “ስለቲ ሓጐስኩም፡ ከምኡ’ውን ንውቅያኖስ ምስ ሰማይ ዝራኸበሉ፡ ሕልሚ ዝውለደላን ብድሆታት ዘለዋን ውቅብቲ ሃገርኩም ስለ ዘካፈልኩምኒ የቐንየለይ” ከም ዝበሉ ዜቫቲካን የመላኽት።

መንእሰይ ተስፋ መጻኢ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት፥ መንእሰያት ንመጻኢ ተስፋና ስለዝኾኑ፡ ምስቲ መንእሰይ ወለዶ ከይተራኸቡ ድማ ክኸዱ ብፍጹም ከም ዘይከኣሎም ኣመላኺቶም፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዛንታ ግምቢ ባቢሎን ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዛንታ ክልተ ኣገባባት ዘነጽር እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ቀዳማይ ናብ ምድንጋርን ምፍልላይን ዝመርሕ፣ እቲ ካልእ ድማ ምስ ኣምላኽን ብጾትናን ብምርኻብ ስኒት ዘዕቢ እዩ ቢሎም፡ ንኹሎም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ድማ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 September 2024, 15:37