መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት፥ ኣብ ጎይታ ተስፋ ግበር ኣይክትደክምን ኢኻ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት፥ ኣብ ጎይታ ተስፋ ግበር ኣይክትደክምን ኢኻ! 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት፥ ኣብ ጎይታ ተስፋ ግበር ኣይክትደክምን ኢኻ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 39 ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ዕለት 17 መስከረም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መንእሰያት ብድሆታት ሕይወት ብተስፋን ጽንዓትን ክቕበሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 39 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት “እቶም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ይጎዩ እምበር ኣይደኽሙን” ዝብል ካብ ነቢይ ኢሳያስ ዝተወስደ ቃል ኣርእስቲ ዝገበረ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተስፋን ጽንዓትን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም መንእሰያት ንህይወት ከም ንግደት ክርእይዋ ኣተባቢዖም፡ እዚ ድማ ሓጎስ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ እውን ኣድካሚ ምዃኑ ምእማን ዝብል ኮይኑ፡ ልክዕ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ተስፋ ዝያዳ ክደምቕ ከም ዘለዎ የብርሁ።

እቶም ብጐይታ ተስፋ ዝገብሩ ኣይክደኽሙን እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገለ ካብቲ መንእሰያት ዘጋጥሞም ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ክጸንዑ ኣተባቢዖም፡ ተስፋ ተሓላቒ ስምዒት ጥራይ ዘይኮነስ ንጡፍ ሓይሊ ምዃኑ ኣጽኒዖም፡ "ካብ ኣምላኽ ባዕሉ ዝተቐበልናዮ ህያብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንቕድሚት ክንስጉም" ዘኽእለና ሓይሊ ምዃኑ የመላኽቱ።

ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕይወት ቃልስታት ክመጽእ ዝኽእል ድኻም’ውን ኣመልኪቶም፡ እዚ ድኻም እዚ ንዅሎም እቶም ትርጕም ዘለዎ ጕዕዞ ዝጅምሩ ልሙድ ምዃኑን ንኸከምዚ ዝኣመሰለ ድኻም መፍትሒ ድማ ኣብ ዕረፍቲ ዘይኰነስ ነጋድያን ተስፋ ኣብ ምዃን” ዝርከብ እዩ እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ዘይተገዳስነት - ሸለልትነት መብዛሕትኡ ግዜ ዘልምስ ከንቱነት ስምዒት ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣጕሊሖም፡ "ድኻም እቶም ንቕድሚት ዚግስግሱ ደኣ እምበር ስምዒት እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ኣይኰንናን ንመርጽ" ምስ በሉ፥ መንእሰያት ካብቲ ሰባት “ካብቲ ደውታ" ዝኾነ ዕንቅፋት ልሙስነት ብምጥንቃቕ ምሉእ ብምሉእ ህይወት ሓጎፋይ ቢሎም ክቕበሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ቅዱስ ቁርባን ናብ ሰማይ ዝወስድ ፍኖት እዩ

ቀጺሎም ጉዕዞ መንእሰያት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዛንታ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ዝገበሮ ጉዕዞ ኣነጻጺሮም፡ ኣብ እዋን ቅልውላውን ተስፋ ምቑራጽን እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ከምዘይሓድጎ ኣረጋገጸሎም። ከም ፈቃር ኣቦ ልክዕ ከምቲ ኣብ በረኻ ንእስራኤላውያን ማና ዝሃቦም ብህላወኡ ይምግቦም

ቢሎም፥ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት፥ "ቅዱስ ቁርባን ናብ ሰማይ ዝወስድ ፍኖት እዩ" እንክብሉ ብምዝኽኻር፡ “ነቲ ረዚን ውህበት ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን” ዳግማይ ክረኽብዎ ይምሕጸኑ።

በጻሕቲ ዘይኮነስ ነጋድያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. እናማዕደዉ፡ እቲ ዝመጽእ በዓል ኢዮቤል መንእሰያት ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ ከሐይሉን ምሕረቱን ፍቕሩን ከስተማቕሩን ዘለዎም ተስፋ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ናብ ኢዮቤል ገጹ ዝግበር ጉዕዞ ስጋዊ ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ "ከም ተራ በጻሕቲ ኣይትበገሱ፡ ከም ሓቀይና ነጋድያን" ምዃን ይድሊ እንክሉ ንኹሉ ዕድመ የቕርቡ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ኣብ መዛዘሚ፥ መንእሰያት ተባዓት ክኾኑ ኣተባቢዖም፥

ቅድሚ ጉዕዞ መንእሰያት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ገዛእ ርእሶም ሕድሪ ንኽብሉ ትብዓት ክህልዎም ተለብዮም፥ ኣብነታ ድማ መንእሰያት “ናይ ተስፋን ፍቕርን ነጋድያን ኰይኖም ኣብ ጉዕዞኦም ክጸንዑ” ከም ዝኽእሎ የረጋግጹ።

18 September 2024, 15:48