ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ 'ድሕሪ ደጊም ማእከላይ ባሕሪ መቓብር ኣይኹን'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም ንተሳተፍቲ ናይቲ "ነጋድያን ተስፋ ሓነጽቲ ሰላም" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ቲራና ናብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ “ሜድ24” ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እቲ ናይቲ ኣኼባ መርሕ ቃል ዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል ዘቃልሕ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ነቶም መንሰያት ሰፊሕ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ፥ ንመጻኢ ማሕበረሰቦም ኣብ ምቕራጽ ዘለዎም ሓላፍነትን ተራን ይገልጽ።
ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣልባንያ ዘካየድዎ ዑደት ዘኪሮም ንህዝቢ እታ ሃገር፥ “ብሓያሎ ዝተፈላለየ መልክዕ ሃብታም ኣብ ሓደ ትብዓት ዝተጠርነፈ ህዝቢ” እንክብሉ ብምግላጽ፥
“ንስኻትኩም ሓድሽ ወለዶ ኣልባንያ ኢኹም፡ ሕጂ ድማ ክብሎ ዝደሊ፡ ንስኻትኩም ሓድሽ ወለዶ መጻኢ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ኢኹም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብሓባር ሰላም ንሃንጽ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይቲ ኣኼባ ተስፋን ሰላምን ዝብል መራሕ ቃል ብምትኳር፡ ሰላም ብዕላማን ጭቡጥ ተግባራትን ሓቢሩ ክህነጽ ኣለዎ፡
“ኩላትና ነጋድያን ተስፋ ኢና፣ ንሓቂ ንምድላይ ንጐዓዝ፣ እምነትና ንነብር፣ ሰላም ንሃንጽ – ሰላም ክህነጽ ስለ ዘለዎ!”
ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ኣገዳስነት ሕውነት ኣስሚሮም፡ ነቶም መንእሰያት ተሳተፍቲ “ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ የፍቅሮ፤ ኣብ መንጎና ፍልልይ ኣይገብርን።” ኣብ መንጎ ሓሙሽተ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሕውነት ስምዒት፡ “ንግርጭታትን ቀታሊ ንዝኾነ ዘይምግዳስን ክንህቦ እንኽእል ዝበለጸ መልሲ’ዩ - መንእሰያት መመያ ናይ ዘመንና ምልክታት ዝኾነ ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ክመሃሩ ኣተባቢዖ፥
ሓድነት ኣብ ብዙሕነት
“ሓድነት ሓደ መልክዕ ማለት ኣይኮነን፡ ብዙሕነት ባህላውን ሃይማኖታውን መንነትኩም ድማ ህያብ እግዚኣብሔር እዩ። ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ምስ በሉ፥ መንእሰያት ኣሰር ኣቦታቶም ብምስዓብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ከዕብዩ ኣተሓሳሲቦም፣ . . . ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝተገለሉን ተቓላዕትን ስደተይናታትን ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝተገደዱን ኣቓልቦ ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ በዚ ድማ እቶም መንእሰያት “ንባህሊ ዘይምግዳስ - ንኻልእ ሸለል ናይ ምባል ባህሊ ክሓድጉን ባህሊ ሓልዮትን ዕርክነትን ምትሕግጋዝን ክሕቆፉ ከም ዝተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡
ምትእስሳር ማእከላይ ባሕሪ
ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማእከላይ ባሕሪ ምስቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብር ህዝቢ ዘራኽብ "ምዕሩግ ናይ እታኽልቲ ስፍራ" እንክብሉ ገሊጾም፥
"ማያት ማእከላይ ባሕሪ የራኽብ!"
ባሕሪ ምሳሌ ናይቲ ሓድነትን ሰላምን ንምድንፋዕ ናይ ሓባር ሓላፍነት መግለጺ እዩ፡ እታ ኣብ 22 ዓመት ዕድሚኣ ናይ እምነት ሰማእት ዝኾነት ብጹእቲ ማርያ ታቺ ምስክር እምነትን ተቓውሞ ዓመጽን ብምዃን ሕይወታ ዘወፈየት እትምስክሮ ሓቂ እዩ፥ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ "ትብዓትኩም ነቲ ኩሉ ኣንጻር ሰብኣውነትና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምምካት ዘለኩም ቆራጽነት ህያው ምስክርነት እዩ" ከም ዝበሉን፥
ነጋድያን ተስፋ
ኣደኣዊ ኣጠማምታ ቅድስተ ማርያም ኣደ ሰናይ ምኽሪ ንማእከላይ ባሕሪ ክትከናኸን ተማሕጺኖም፥ ነቶም መንእሰያት ተሳተፍቲ ኣብነታ ክኽተሉ፡ “ዘይለመሱ ነጋድያን ተስፋ” ክኾኑን ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዳግማይ ሓቀይና ሕመረት መግለጺ ሕውነትን ሰላምን” ከንጸባረቕ ተጊሆም ክዓዩ ተላብዮም፥
“ማእከላይ ባሕሪ ናይ ሓድነትን ተስፋን ቦታ፡ “ድሕሪ ደጊም መቓብር ዘይኮነስ” ሕውነት ናብ ዝዕምብበሉ ዞባ ይቀየር” እንክብሉ ብዘዘዕረግዎ ጸሎት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።